ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴነጋል -- ደገፍቲ ኦስማን ሶንኮ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ሓጎሶም ይገልጹ


ንገዛኢ ሰልፊ ሴነጋልን መሪሕነት ፕረዚደንት ማኪ ሳልን ዓቢ ስግኣት ምዃኑ ዝእመነሉ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦስማን ሶንኮ ትማሊ ሓሙስ ኣማስያኡ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍትሑ፡ ሎሚ ዓርቢ ሰዓብቱ ኣብ ጎደናታት ዳካር ብምውጻእ ሓጐሶም ክገልጹ ተራእዮም።

ሶንኮ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኣስረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ምስ ብጻዩ ባሲሮ ፋየ፡ ድሕሪ ነዊሕ ክርክር ናጻ ከም ዝተባህሉ ጠበቓኦም ገሊጹ።

ኮሚሽን ምርጫ ሴነጋል ንሶንኮ ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር ከም ዘይክእል ምስ ሓበረ፡ እቲ ሰልፊ ንፋየ’ዩ ከም ሕጹይ ረቚሑ ጸኒሑ። ሕጂ ምፍታሖም ንዝመጽእ ምርጫ ከመይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ገና ኣይነጸረን።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2019 ሳልሳይ ዝወጽአ ሶንኮ ኣብ መንጎ መንእሰያት ኣድመጽቲ ዓቢ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ይሕበር። ኣብታ ቍጠባዊ ቅልውላውን ሽቕለት ኣልቦነትን ዘጥቃዓ ዘሎ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ሶንኮ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ብልሽውና ምምሓው ምዃኑ ይምጉት።

ደገፍቲ ሶንኮ ድሕሪ ዝገበሩዎ ተደጋጋሚ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ማኪ ሳል ንሳልሳይ እብረ ምርጫ ከም ዘይወዳደር ሓቢሩ ኣሎ። ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ኣንጻር ሕገ-መንግስቲ ሴነጋል ምዃኑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG