ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን CECAFA ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ንVOA ርእቶኦም ሂቦም


cecafa opening ceremony Asmara
cecafa opening ceremony Asmara

ካብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ክሳብ ብቕዓት ተጻወቲ፡ ሲካፋ ንቕድሚት ዓቢይ ዝላ ዘርኣየሉ`ዩ ኔሩ ይብሉ ሰብ ስልጣን CECAFA

ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ ውድድራት CECAFA፡ ቅድሚ ሎሚ ካብ መንጎ ዝረኣናዮም ዝበለጹ ስፖርታዊ በዓላት ሓደ`ዩ ኔሩ ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሲካፋ ኒኮላስ ሙሰኚ፡ እቲ ህዝቢ ይኹን መንግስቲ ብዝለዓለ ተገዳስነት ብምስራሕ ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ስፖርታዊ በዓል ንኽካየድ ኣኽኢሉ`ዩ፡ ክብል ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ዘድሊ ሎጂስቲክስን መሳለጥያታትን ስሙርን ስሉጥን ከምዝነበረ ጠቒሱ።

ዋና ኣሰልጣኒ ተዓዋቲት ጋንታ ኡጋንዳ ፍራንክ ኣኛው ብወገኑ፡ እቲ ውድድራት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሩ ግጥማት ኣዝዩ ዝሓየለን ብብቕዓቱ ዝተቐራረበን ኸምዝነበረ ገሊጹ። ኣብ ዳኝነት ዝነበረ ኹነታት`ውን ፍትሓውን ዝኾነ ይኹን ጸግዒ ዘይተራእየሉን ከምዝነበረ ጠቒሱ።

ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ እንተዝርእያ ክንደይ ደስ ምበለኒ ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሲካፋ ብወገኑ፡ ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓዲአን ሃገራት ስፖርታዊ ጸወታ ከምዘርእያ ጥርጥር የብለይን ኢሉ።”ጋንታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓንሳብ ተጻዊቶምን ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ኢንጀራ በሊዖምን`ዮም”።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ዓለም-ለኻዊ ዳኛን ተስፋይ ገብረየሱስ፡ ኤርትራ ንስፖርታዊ ጨዋነት፡ ንሰላም፡ ንምሕዝነትን ንልምዓትን ዓሊማ ዘዳለወቶ ውድድር ሲካፋ 2010 ታሪኻዊ ዕግበት ከምዝፈጠረሎም ንVOA ገሊጾም።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ምስ ሰብ ስልጣን CECAFAን ምስ ኣቶ ተስፋይን ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ነዚ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG