ዋሽንግተን —
ብሕቡራት መንግስታት ዝተዳለወ ዝርርብ ሰላም የመን ብምጥሓስ ስምምዕ ተኩሲ ደው ምባል ተዋጋእቲ’ታ ሃገር ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።
ኣብ እዋን’ቲ ዝርርብ ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይሊ ሕብረት ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ኣየር ደብዳብን ግብረ-መልሲ ተቓወምቲ ሁቱን ቀጺሉ ከምዝቐነየ’ውን ተፈሊጡ። አብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብዝተካየደ ግጭት ልዕሊ 75 ሰባት ሞይቶም’ለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።