ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን ንናይ 72 ሰዓታት ምቑራጽ ተኹሲ ተሰማሚዖም


ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ መንጎ ሱዳናዊያን ተዋጋእቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝፀንዐ ይመስል። ነበርቲ ዋና ከተማ ኻርቱም እቲ ኣጋጣሚ ቀረባት ንምዕዳግን ንምህዳምን ይጥቀምሉ ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰኑይ ተዋጋእቲ ሱዳን ን72 ስዓታት ዝፀንሕ ቶኽሲ ደው ክብል ተሰማሚዖም ክብሉ ኣፍሊጦም።

ብሊንከን ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ደገፍን ‘ን48 ስዓታት ፅዑቕ ልዝብ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ'ውን ሓቢሮም ኣለው።

ብሊንከን "ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ብዘይውዓል ሕደርን ብምሉእን ከኽብሩ ኣመሪካ ተተሓሳስብ’’ ኢሎም ።

"እቲ ውግእ ብዘላቒነት ከብቅዕ ኣመሪካ ምስ ዞባውን ዓለምለኻውን መሻርኽቲ፣ ተሳትፎ ምስ ዘለዎም ሱዳናዊያን ስቪላትን ብምትሕብባር ነባሪ ምቁራፅ ተፃብኦን ሰብኣዊ ረድኤት ንምምዕራይ ዝሕግዝ ኮሚቴ ኣብ ምጥያስ ክተዋድድ እያ።’’

ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ብፅሑፍ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ስለ ሰብኣውነት መሕለፊ ክኽፈትን ዜጋታትን ነበርት ተንቀሳቒሶም ዝደልዩዎ ከማልኡን ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት ድማ ክወፁ ምእንታን በቲ ዕርቂ ተሰማሚዕና ኣለና ይብል።

ሲቪላት ነበርቲ ኻርቱም ሎሚ ሰሉስ መግብን ቀረባትን ንምዕዳግን ካብቲ ግጭት ወፂኦም ድሕነቶም ናብ ዝሕለወሉ ንምህዳምን ወፂኦም ኣለው።

ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት ካብ ኻርቱም ንሳልሳይ መዓልቶም ምውፅኦም ቀፂሎም ኣለው።

ብኻልእ ዜና ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደ ወገን ካብቶም ተሳተፍቲ ግጭት ሕማማት ንፍዮ፣ ኮሌራን ካልኦት ሓደገኛ ባእታታትን ንዝሓዘ ላብራቶሪ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ‘’ከቢድ ባይሎጂካዊ ሓደጋ’’ ኣንፀላሊዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሱዳን ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኒማ ሳዒድ ዓብዲ ኣየናይ ወገን ከምዝሓዞ ከይገለፁ እቲ ኩነታት ግን "ኣዚዩ ሓደገኛ'ዩ’’ ክብሉ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም ኣለው።

15 ሚያዚያ 2023 ውግእ ካብ ዝጅምር እንተወሓደ 427 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 3,700 ድማ ከምዝቖሰሉ ወኪላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG