ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሎሚ ዘበን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣየዋ ብወግዒ ተጀሚሩ


ንመን ከምዝመርፁ ንዘይወሰኑ መረፅቲ ንምስሓብ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁያት ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ናይ መወዳእታ ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ

ናይ 2012 ኣ/ፈ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ከይዲ ፕሬዝዳንታዊ ውድድር ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ክፍለግዝኣት ኣየዋ ብወግዒ ተጀሚሩ’ሎ።ኣብታ ክፈለ ግዝኣት ዝርከቡ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝገጥሙ ካብቶም ሸዱሽተ ሕፁያት ንሓዲኦም ንምምራፅ ኣብ ምሉእ እታ ክፈለ ግዝኣት ሎማዕንቲ ሰሉስ ድምፆም ክህቡ እዮም።

ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፖለቲካ ኮከስ ኢሎም ዝፅውዕዎ ኣባላት ፓለቲካዊ ፓርትታ ሕፁዮም ኣብ ዝመርፅሉ ኣገባብ ፈላማይ ብርኪ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ሎማዕንቲ ድምፆም ክህቡ እዮም።ንመን ከምዝመርፁ ንዘይወሰኑ መረፅቲ ንምስሓብ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁያት ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ናይ መወዳእታ ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ።ናይቲ ምርጫ ኣሰናዳእቲ’ውን ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ክፍለግዝኣት ኣየዋ ኣባላትን ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ኣብዝካየድ ምርጫ ምስ ፕሬዝዳንት ኦባማ ዝወዳደር ሕፁይ ዝመርፅሉ ኣገባብ ናይ መወዳእታ ምስንዳእ እናገበሩ እዮም።ሪፓብሊካዊያን ብዙሕ ህዝቢ ንምምራፅ ከምዝወፅእ ትፅቢት ይገብሩ።ምኽንያቱ ኣየዋ ፕሪዝዳታዊ ሕፁይ እትመርፅ ፈላመይቲ ክፍለግዝኣት ስለዝኾነት።ንዝርዝሩ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG