43 ሰራሕተኛታትን ኣስታት 6,000 እንስሳን ፅዒና ኣብ ወሰናት ማይ ደቡብ ምዕራብ ጃፓን ዝጠለቐት መርከብ ንምርካብ ኣለሻ ይካየድ ከምዘሎ ሰበስልጣን ወሰን ማይን ሓይሊ ባሕርን እታ ሃገር ገሊፁ።
ታይፑን ማያስክ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከቢድ ንፋስን ናይ ባሕሪ ማዕበልን ዘለዎ ሓያል ህቦቡላ እታ መርከብ ናብዘላትሉ ምስተፀግዐ ትማሊ ረቡዕ ናይ ርድኡና ፃውዒት ካብታ መርከብ ምቕራቡ ሓላዊ ወሰን ማይ ጃፓን ገሊፁ ኣሎ።