መበል 39 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ፈነዋ ተገይሩሉ። በዚ ምኽንይት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኽብሪ ካርተር ክብል እዛ መዓልቲ መንግስታዊ ስራሓት ክዕጾ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ጂሚ ካርተር ንርእሱ ኣባልን ኣካልን ዋሺንግተን ዲሲ ገይሩ ይሓስባ ኣይነበረን። ሎሚ ሬሳኡ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ምስ ተቐመጠ፡ ነቲ ንዲሲ ሸፊኑዋ ዘሎ በረድን ዛሕሊን ተጻዊሮም ሓያሎ ደገፍቱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎም ክብሪ ንምርኣይ ክፋነዉዎ ውሒዞም።
ካርተር ካብ መዝነት ፕረዚደንት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ሓያሎ ህዝባዊ ኣገልግሎታት’ዩ ግዜኡ ሰዊኡ። ካብ ሽምግልና በበይንቦም ወገናት ከም ናይ በዓል እስራኤልን ግብጺን ክሳብ መትረብ ፓናማ ናብታ ሃገር ምምላስ ድማ ካብቶም ዝጥቀሱ ዕዉታት ስርሓቱ’ዮም።
ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ሓያሎ መደባት መሪሑ’ዩ። ሓደ ካብኡ ኣብ ምጥፋእ ሓሰኻ ጊኒ ዝገበሮ መሪሕ ተራ’ዩ። እዚ ሕማም ሎሚ ኣብ ኣጋምጥፋኡ ዝርከብ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ፡ ናይጀሪያን ማሊን ብብዝሒ ዝርአ ምንባሩ መዛግብቲ የመልክቱ። ቅድሚ ሎሚ ጂሚ ካርተር ብዛዕባ ተበግሶ ምጥፋእ ሓሰኻ ጊኒ ምስ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ይሃይስ ወሂብ ቃለ-መጠየቕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ንምልባዕ እዚ ሕማም እንታይ ዓይነት ቅድመ-ኩነት ከም ዝገብሩ ተሓቲቱ ካርተር ክምልስ እንከሎ፤
“እቲ ሓደ ነገር፡ ነፍሲ-ወከፍ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባትን ኣከባቢን ኣለሊናዮ ኣሎና። ስለዚ እቲ ቀንዲ ኣተኵሮና ኣብ ምክልኻል ኰይኑ፡ ነቶም ድሮ ተታሒዞም ዘለዉ ወገናት ናብ ካልእ ከም ዘየሕልፉዎ ምግባር’ዩ። ንዓኣቶም ከኣ ደቂቕ ክትትል ንገብረሎምን ዘድሊ ሓገዝ ነበርክተሎምን።”
ብመሪሕነት ካርተርን ካልኦት ከም ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ኣካላት ድሕሪ ዝተገብረ ውሁድ ጻዕሪ እምበኣር’ዩ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሸውዓተ ሕሙማት ጥራይ ምንባሮም መዛግብቲ ሕክምና ይገልጹ።
ሬሳ ካርተር ንመጨረሽታ መዕረፊ ቦታኡ ናብ ጆርጂያ ቅድሚ ምምራሑ፡ መንግስታዊ ፈነዋ ንኽግብረሉ’ዩ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ጸኒሑ። ብዘይካ እቶም ኣሽሓት ደገፍቱ እምበኣር፡ እቲ ኣብ 1976 ካርተር መዝነት ፕረዚደንት ምስ ሓዘ ናይ ፈለማ ኣባል ሰነት ዝነበረ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ድሕሪ 11 መዓልታት መዝነት ዝርከብ ዶናልድ ትራምፕን’ውን ክብሮም ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ምክልኻል ሕማም ሓሰኻ ጊኒ ምስ ፕሮጀክት ካርተር ዝተሓባበር ዝነበረ ቢል ጌት፡ “ንቦታን ክብሪን መዝነት ፕረዚደንት ናብ ዝለዓለ ሰገነት ዝሰቐለ፡” ክብል ገሊጹዎ።
ጓሉ ንተቓላሲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝዀነት በርኒስ ኪንግ’ውን፡ “ኣብ ሓደ ነገር እምነት እንተ ኣሕዲርካ ክሳብ መወዳእታ ብኸመይ ኣብ መዓልቦኡ እተብጽሖ ብግብሪ ዘርኣዩና፡” ክትብል ንኣቦኣን ካርተርን ገሊጻቶም። ክልተኦም ካብ ጆርጂያ ምዃኖም’ውን ካልእ ዘራኽቦም’ዩ።
ናይ ሎሚ ሓሙስ ናይ ዋሺንግተን ዲሲ ስነ-ስርዓት ፈነዋ፡ መዛዘሚ ናይቲ ንሹድሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ስነ-ስርዓት ቀብሪ’ዩ። ሎሚ ሓሙስ ኣማስያኡ ናብ ጆርጂያ ዝምለስ ሬሳ ካርተር ድሒሩ ኣብ ጎኒ በዓልቲቤት ሮሳሊን ካርተር ኣብ ፕላይንስ ጆርጂያ ክዓርፍ’ዩ።
ቅጥዒ