ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕገ መንግስቲ ንዝተቐመጡ መሰላት ከኽብር ዝፅውዕ ረቂቕ ሕጊ ናብ ሰኔት ኣሜሪካ ቀሪቡ


ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ሰኔተር ቤን ካርዲንን ሪፓብሊካዊ ሰኔተር ማርኮ ሩቢዮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሞት ኣማኢት ሰባት ምኽንያት ዝኾነ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃሞም ዝኹንን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ዝኣሰሮም ተቓወምቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ንክፈትሕን ኣብ ሕገ መንግስቲ ንዝተቐመጡ መሰላት ከኽብርን ዝፅውዕ ረቂቕ ሕጊ ናብ ሰኔት ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣሽሓት ከምዝተኣስሩን እንተኾነ ግን ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝወሰዱ ሓይልታት ፀጥታ ክሳብ ሎሚ ክእመን ዝኽእል ተሓታትነት ከምዘይተርኣየን እቲ ውሳነ ይሕብር።

ትሕዝቶ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ
ትሕዝቶ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ

ነዚ ትማሊ ረቡዕ ብክልቲኦም ሰኔተራት ዝቐረበ ውሳነ ካልኦት ትሽዓተ ዴሞክራሲያዊያንን ሰለስተ ሪፓብሊካዊያንን ብድምር 12 ሰኔተራት እውን እቲ ረቂቕ ኣብ ምቕራብ ከምዝተሓባበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲያዊ ናፃነትን ከኽብር ኣለዎ’ ዝበሉ ሰኔተር ካርዲን ኣስዒቦም ‘ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ምእሳሮም ብዓሙቕ ኣሰኪፉኒ’ሎ፤ ግብረሽበራ ንምምካት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽርክነት ኣለና ማለት መሰል ህዝቢ ክግሃስ ከሎ ስቕ ንብል ኢና ማለት ኣይኮነን’ ኢሎም።

ሰኔተር ሩቢዮ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝባ እትፍፅሞም መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምውጋዝ ኣሜሪካ ድምፃ ክተስምዕ ኣለዋ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ረቂቕ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG