ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍልሰት ኣማእቲ ኣሽሓት ዜጋታት ርፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ


FILE - fighters from a Christian militia movement known as the "anti-balaka" display their makeshift weaponry in the village of Boubou, between the towns of Bossangoa and Bouca, Central African Republic.
FILE - fighters from a Christian militia movement known as the "anti-balaka" display their makeshift weaponry in the village of Boubou, between the towns of Bossangoa and Bouca, Central African Republic.
ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ምስልምናን ክርስቲያንን ይካየድ ብዘሎ ህውከት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣማእቲ ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም እናተመዛበሉ ሃዲሞምን ይሃድሙን ኣለው።

ዝሓለፈ ዓርቢ 14 ለካቲት 2014 ኣ/ፈ እዩ።መዳርድ ዝተብሃለ ክርስቲያን ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብጥይት ተቐቲሉ።

ሬስኡ ብጨርቂ ተሸፊኑ ይርአ።ደቂ ኣንስትዮ ኣዝማዱ ኣብ ጎኑ ተንበርኪኸን ይበኽያ።ነበሰ ፁር ብዓልቲ ቤቱ ገፃ ብንብዓት እናተሓፀበ ብርእሱ ወገን ኮፍ ኢላ ትበኪ።

ካብታ ከተማ ውፅእ ኢሉ ኣብዝርከብ መቓብር ጉድጓድ ይኩዕቱ ዘለው መናእሰይ ቁጥዕኦም ደረት የብሉን።

ገሊኦም እቲ ዝርካቦም እንኮ ኣፅዋራ ገዘሞን ገጀራን የወጣውጡ።ነቲ ሰብኣይ ናይቲ ከባቢ ሙስሊማት እዮም ቀቲሎምዎ ይብሉ።

ካብቶም ዝተቖጥዑ ሓደ ሙሳ ቫራከነ ‘’ኣብዚ ሙስሊማት ኣይንደልዮምን…ሙሊማት ናብዚ እንተመፂኦም፣ሰለካ ናብዚ እንተመፂኦም ክንቐትሎም ኢና’’ይብል።

ትዕግስቶም ከምዝተፀንቀቐ እውን ይዛረቡ።

ናብታ ከተማ ኣብ ዘእቱ መንገዲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ናብ ጫካ ክሃድሙ ይርኣዩ።ኣብ ርእሳ ሻንጣ ተሸኪማ ንሰለስተ ደቃ እናገንሐት ትሃድም ዘላ ኣደ ሎማዕንቲ ሽግር ከጋጥመና ይኽእል እዩ ትብል፤ንህይወታን ህይወት ደቃን ብምስጋእ።

ኣማእቲ ፀረ-ባላካ ሚሊሽያታት ኣብቲ ካምፕ ኣለው።ንሶም መብዛሕቲኦም ሙስሊማት ንዝኾኑ ዓማፂያን ጥምረት ሰለካን ብኣህፅሮተ ቃል MISCA ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ዓለምለኸ ልኡኽ ኣባላት ንዝኾኑ ቻዳዊያንን ይቃወሙ።ቻዳዊያን ምስ ሙስሊማት ወጊኖም ኢሎም ይኸስዎም።

ሰለካ ነዛ ከተማ ዝተቖፃፀራ ኣብ ወርሒ ታሓሳስ 2012 ኣ/ፈ እዩ።ሎሚ ብርክት ዝበሉ ጉጅለታት ሰለካ ኣብታ ከተማ ኣለው።

ወታደራት MISCA ነታ ከተማ ይሕልውዋ።ገለ ሙስሊም ነበርቲ ግን ናብ ሰሜናዊ ቻድ ንምህዳም ኣብ ምድላው ይርከቡ።

ወላዲ ኣቡኡ ከምዝተቐተሎ ዝገለፀ ኢሳ ዳንድ ‘’ኣብዚ ኢና ተወሊድና።ሎሚ ይካየድ ብዘሎ ናይ ሃይማኖት ውግእ ግን ህይወትና ንምድሓን ናብ ቻድ ንሃድም ኣለና’’ይብል።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣባላት ሰለካ ሰላም ንኽንሕሉ ብMISCA ተነጊሩና እዩ ይብሉ።
ማሱድ ኣባካር ዝተብሃለ ሓለቓ ሓምሳ ሓይልታት ሰለካ ፀረ-ባላካ ናብዛ ከተማ እንተመፂኦም ኣብዚ ክነቃብፆም ኢና ይብል።

ብበዝሒ ክርስቲያን ኣብዝነብርሉ ኽፋል እታ ከተማ ሰባት መጠንቀቕታ ይበፅሖም ስለዘሎ ብስግኣት ናብ ቀብሪ ንምኻድ’ዃ ከምዘይክኣሉ ይዛረቡ።
ቻዳዊ ኣዛዚ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊቶም ምስ ዝኾነ ይኹን ከምዘይውግን ንቶም ክርስቲያን ይገልፅሎም።

ኣብታ ዝሓለፈት ሰሙን ሓደ ሙስሊምን ኣርባዕተ ክርስቲያንን ተቐቲሎም።ሰበስልጣን እታ ከተማ ስዓተ እቶ እቶ ኣዊጆም ኣለው።ከንቲባ እታ ከተማ ቶማስ ዶሜቴ ይካየድ ዘሎ ምቅትታል ዝሕብሮ ነገር ኣብታ ከተማ ብዙሕ ኣፅዋር ከምዘሎ እዩ ይብሉ።
ነበርቲ እታ ከተማ ተወሳኺ ዓለምለኸ ወታደራት የድሊ ይብሉ።
ፈረንሳይ ተወሳኺ ወታደራት እናልኣኸት እያ።ወታደራት ፈረንሳይ ምስ MISCA ኮይኖም ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ይፍትኑ ኣለው።
XS
SM
MD
LG