ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ቅትለት ቻይናውያን ንጉጅለ ዓመፅቲ ተሓታቲ ገይሩ ይኸስስ


ፋይል
ፋይል

ሰበ ስልጣን ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተቐትሉ ትሸዓተ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝተዋፈሩ ቻይናውያን ጉጅለ ዓመፅቲ ተሓታቲ ገይሩ ይኸስስ። እቶም ዓመፅቲ ብወገኖም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሞ ኣብታ ሃገር ንዘለዋ ዓብዪ ኣታዊ ዘለወን ኣብ ዕደናታት ወርቅን ኣልማዝ ዝተዋፈራ ትካላት ሩስያ ንምሕላው ዝተቖፅሩ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዋግነር እዩ ክብል ይወቅስ።

ሚንስተር ፍትሒ አርናኡድ ጁባዬ አባዘኔ ፈጸምቲ ብዘይጥርጥር ካብ ጉጅለ ሲፒሲ” ወይ'ውን ጥምረት ሃገራውያን ንለውጢ ብዝብል ዝፍለጡ ምኳኖም ብምግላፅ ነቲ ኣብ 19 መጋቢት ዝተቐትሉ ሰባት ኣመልኪቱ ዝተገብረ ምርመራ ናይ መወዳእታ ፀብፃብ ብምጥቃስ ትማሊ ረቡዕ ገሊፆም።

ኣብ ታሕሳስ 2020 ንፕረዚደንት ፋውስቲን ኣርቻንጅ ቶዋድር ካብ ስልጣኖም ንምዕላው ዓሊሙ ዝተጣየሰ ኪዳን ጉጅለታት ዓመፅቲ ሲፒሲ ነቲ ፍጻመ “ኣፀያፊን ባርባራውን” ብምባል ኢድ የብለይን ክብል ነፂጉዎ።

ነቲ ቅትለት ዕሱባት ዋግነር እዮም ፈፂሞሞ ንዝብል ክሶም ግን ዘቕረብዎ መርተዖ የለን።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ዋግነር ኣብ 2018 ናብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ኮይኖም ኣብ 2020 ድማ ነቲ ብሲፒሲ ኣብ ልዕሊ እታ ርእሰ ከተማ ንዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ንምምካት ብዝብል ቁፅሮም ወሲኹ እዩ።

እቶም ትሸዓት ዓደንቲ ዋንነቱ ናይ ቻይና ዝኾነ ጎልድ ኮስት ግሩፕ ንዝተባህለ ትካል ተቖፂሮም ኣብ ዕደኒ ወርቂ ጥቓ ዋና ከተማ ግዝኣት ኦዋካ ይሰርሑ ዝነበሩ እዮም።

እቶም ሚንስትር ፍትሒ ኣብ መግለፂኦም ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ገበነኛታት ስጉምቲ ዝወሰዱ፣ መረዳእታ ዝኣከቡን ነቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምህዳን ዝርከቡ ሩስያውያን መሻርኽትና ነመስግን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG