ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱማሊያዊ ተዋሳኣይ ኣብ ፊልም ’’ካፕተይን ፊሊፕስ’’


Barkhad Abdi poses for photographers as he walks the red carpet at a screening for the movie "Captain Phillips" at the Newseum in Washington, Oct. 2, 2013.
Barkhad Abdi poses for photographers as he walks the red carpet at a screening for the movie "Captain Phillips" at the Newseum in Washington, Oct. 2, 2013.
ካፕተይን ፊሊፕስ ብዝብል ስም ኣብ ቀረባ ዝወፀት ሓዳሽ ፊልም ንዝተዋስአ ኮኾብ ተዋሳኢ ቶም ሃንክስን ብሱማሊያዊያን ዝተፈፀመ መጭወይቲ መርከብን ብርትዕ ዝብሉ ሪኢቶታት እናቐረቡ እዮም።ኣብቲ ፊልም መራሒ እቶም ኸተርቲ ኮይኑ ዝተዋስአ መንእሰይ እውን ብዘርኣዮ ምንቅስቓስ ናእዳ እናረኸበ እዩ።ባርኻድ ኣብዲ ናይ መጀመሪያ ኽፋል ዕድሚኡ ኣብ ሱማሊያ ዘሕለፈ ሎሚ ድማ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዘዋሪ ሊሞዚን መኪና ዝኾነ ሶማሊያዊ ኣሜሪካዊ እዩ።ንሱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሆሊውድ ፊልም ክዋሳእ እየ ኢሉ ሓሊሙ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ።

ህይወት ባርኻድ ኣብዲ ኣብ ሚኒያፖሊስ ብዝቐረበ ናይ ቴሌቪዥን ምልክታ ተለዊጡ።ኣብቲ ቴለቪዥን ዝቐረበ ምልክታ ኣብ 2009 ኣ/ፈ ብሱማሊያዊያን ኸተርቲ ባሕሪ ብዛዕባ ዝተጨወየት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መርከብ ሜርስክ ኣላባማ ዘዋሪ ዝነበረ ሪቻርድ ፊሊፕስ ዝዋስኡ ሱምሊያዊያን ይደልዩ ኣለው ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብዲ ተወዳዲሩ ካብቶም ኸተርቲ ሓደ ኮይኑ ንኽዋሳእ ድማ ስዒሩ።ድሕረ ባይትኡ ሶማሊያዊ ምዃኑ ኣብቲ ተዋስኦ ከምዝሓገዞ ይገልፅ ኣብዲ።

ኩል ግዜ በቶም ኸተርቲ ባሕሪ ይድነቕን ብዝገብርዎ ተግባር ይግረም ከምዝነበረን ዝገለፀ ኣብዲ ወዲ ሸውዓተ ዓመት እናሃለወ ካብ ሱማሊያ ስለዝወፃእኹ ኹናት ብዓይነይ ሪአ እየ ይብል።ስለዚ ኡሉ ‘’ንባዕለይ ብብዙሕ መንገዲ ምስቶም ኸተርቲ ከመሳስል ይኽእል እየ።’’ ይብል።

ሚኒያፖሊስ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ እታ ዝዓበየት ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ዝነብሩላ ከተማ እያ።ኣሽሓት ሱማሊያዊያን ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኵናትን ድኽነትን እናሃደሙ ናብዚ መፂኦም እዮም።

ሊሞ ብምዝዋር ዝናበር 28 ዓመት ዝዕድምኡ ኣብዲ ብኣጋጣሚ ምስ ኽልተ ግዜ ናይ ኦስካር ሽልማት ዝተዓወተ ቶም ሃንክስን ቀንዲ ዳይረክተርን ሂሊዉድን ዝኾነ ፖል ግሪንግራስን ናይ ምስራሕ ዕድል ረኸበ።ክልቲኦም ሰባት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ክሰርሕ ዓርሰ እምነት ሂቦምኒ ይብል ኣብዲ።

ነቲ ስራሕ ብዝግባእ ንኽዋፅኦ ቶም ሃንኪስን ኣብ ጎኑ ከዝነበሩ እቲ ዕድል ዝሃቦን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ኣባኡ እምነት ዝሓደሮን እውን ፖል ግሪንግራስ ነይሩ ይብል።ስለዚ ምስዞም ሰባት እዚኦም ምስርሐይ ዕድለኛ እየ ይብል ብምቕፃል።

እታ ፊልም ፅቡቕ ተቐባልነት ረኺባ’ላ።ጋዜጣ ኒወ ዮርክ ታይምስ ናብዲ ‘’ኣዝዩ ፅቡቕ ተዋሲኡ’’ ኢላ ክትገልፆ ከላ ዴንቨር ፖስት ብወገና ‘’ኣብዲ ካብ ጭካነ ብምርሓቕ ንዝተፃወቶ ማእኸላይ ጊደ ዝድነቕ እዩ’’ ክትብ ገሊፃቶ’ላ።

እቶም ኸተርቲ ባሕሪ ናብ ገበን ዝኣትው ዘለው ብሪእዮተ ኣለማዊ እምነቶም ከይኮነስ ኣብ ሱምሊያ ብዘሎ ተስፋ ዘቑርፅ ኩነታት ምዃኑ እያ እታ ፊልም ትሕብር።

ኣብዲ እታ ፊልም ቅድሚ ምውፅኣ ኣብታ ፊልም ክፃወቶ ብዝኽእል ዘሕፍር ጊድ ካብ ሱማሊያዊያን ማሕበረሰብ ገለ ነቐፌታ ይውሃቦ ከምዝነበረ ይገልፅ።ሎሚ ኢሉ ኣብዲ እዞም ስምዒታት እዚኦም ቂሂሞ እዮም ይብል።

ሱምሊያዊያን ማሕበረሰብ ነታ ፊልም ከምዝፈተውዋን ብኡ ምሕባኖም ዝገልፁ መተባቢዕታት መልእኽትታት ብፌስቡክን ብቲዊተርን ከምዝበፅሖ ይገልፅ።
ንሓዋሩ ንኽዋስ ዝቐረበሉ ዝኾነ ይኹን ዕድመ ዋላ እንተዘይሃለወ እውን ምውሳእ ንክቕፅል ተስፋ ኣለኒ ይብል ኣብዲ።እታ ፊልም ዝሓለፈ ሰሙን እያ ንህዝቢ ምቕራብ ጀሚራ።
XS
SM
MD
LG