ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ጠንቂ ስደትን ሞትን መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውሽጣዊ ፀገም'ዩ' ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ሕዙናት ስድራ ብዳዕሽ ዝተቀትሉ ኢትዮጵያዊያን
ሕዙናት ስድራ ብዳዕሽ ዝተቀትሉ ኢትዮጵያዊያን

ብኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ነቶም ብጨካናት ‘ዳዕሽ ኣብ ሊብያ’ ዝተፈፀመ ቅትለት ኣስታት 30 ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ዝጠፍኡ ኤርትራዊያንን ንምዝካር ሓደ ስነ-ስርዓት ተካይዱ ኣሎ።ነበርቲ ዋሽንግተንን ዲሲን ከባቢኣን ድማ ዝመፅእ ሰንበት ተመሳሳሊ ስነ-ስርዓት ከሳልጡ’ዮም።

‘ጠንቂ ህልቂት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ውሽጢ’ተን ሃገራት ዘሎ ፀገም’ዩ’ ይብሉ ናይ ሎሚ ኣጋይሽና።

ኣብ ኢትዮጵያ ‘ሱር ሰደድ ብልሽውና፣ ዕድል ስራሕ ዘይምህላውን ዘይምዕሩይ ቁጠባዊ ረብሓን’ ክጥቀሱ ከለው ኣብ ኤርትራ ድማ ‘መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ኣልቦ ሰብኣዊ መሰላትን ናፅነትን’ ቀንዲ ጠንቂ ስደት መናእሰይ ምኻኖም ተሳተፍቲ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ይገልፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:07 0:00
please wait

No media source currently available

0:00 0:16:42 0:00

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG