ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ እስራኤል ከተማ ቴልአቪቭ ንዝተቀትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ናይ ሽምዓ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተካሂዱ


ዝኽሪ ኤርትራዊ መንእሰይ አብ ቴልአቪቭ
ዝኽሪ ኤርትራዊ መንእሰይ አብ ቴልአቪቭ

አብ እስራኤል ከተማ ቴልአቪቭ ሎሚ ጥቅምቲ 21,2015 ነቲ አብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተቀትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ሃብቶም ወልደሚካ ኤል ናይ ሽምዓ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተካሂዱ'ሎ።

አብቲ ስነ-ስርዓት ኤርትራዊያን ካልኦት አፍሪቃዊያን እስራኤላዊያን ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ'ሎ።

ሱዳናዊ ነዲን ዑመር መንግስቲ እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ ንነዊሕ ዓመታት'ዩ ብስነ-ልቦና ክቃለሶም ጸኒሑ'ዩ። አብ ዝሓለፈ ሰሙን ኸአ ንጹህ ኤርትራዊ አብ መደበር አውቶቡስ ብሕብሪ ቆርበቱ ዓረብ ስለዝመሰለ ጥራይ ቀቲሎሞ። እዚ ንዓና አፍሪቃዊያን አጉህይና'ሎ። እቲ መንግስቲ አብ ልዕሊ አፍሪቃዊያን ሓተቲ ዑቕባ ግፍዒ ምፍጻሙ ቀጻሊ'ዩ ኢሉ።

አብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ካብ ዝተረኽቡ እስራኤላዊ ሓደ ዶ/ር ራሚ ግዶቪች መጀመርያ ዒላማ ኣይነበረን ግን ብጌጋ ከም ሓደ ካብቶም አሸበርቲ ስለዘለለይዎ እዚ ፍጻሜ አብ ኤርትራዊያንን እስራኤላዊያንን ዓብይ ቁጥዓ ፈጢሩ'ሎ። እቲ አዝዩ ዘሰንድብ ግን ብድሕሪ ምውቅዑ አብ ባይታ ወዲቑ እንዳደመየ ኸሎ ብሓለፍቲ መንገዲ እስራኤላዊያን ምቅጥቃጡ'ዩ። እዚ ፍጻሜ ምክንያታዊ ኣይኮነን። ኸመይ ኢሉ'ዩ ካብ ሃገረይ ካብ ህዝበይ እቲ አዝዩ አብ ታሪክ ዝተሳቃየ ህዝቢ ከምዚ ክገብር ዝኽእል? እዚ ፍጻሜ ተቀባልነት የብሉን ኢሉ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG