ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ንምፍታሕ ብዝብል ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ተኻይዱ


A View of the Congress from Russell Senate Office Building
A View of the Congress from Russell Senate Office Building
እስክንደ ነጋን ካልኦት ፖለቲካዊ እሱራትን ንምፍታሕ ብዝብል ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ጥቓ Upper Senate Park ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቤት ምኽሪ ህንፃ ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነስርዓት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሾሊኾም ወፂኦም ዝተብሃሉ ደብዳቤታት ተነቢቦም ኣለው።
ነቲ ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ካብ ዘዳለው ስባት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ካሳሁን ኣዲስ ብዛዕባ እቲ ዕላማ እንትገልፁ ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፖለቲካዊ እሱራት ከምዘይረሳዕናዮምን ንኽፍትሑ ኩሉ እንኽእሎ ነገር እናተቓልሰና ከምዝኾነን ንቕፈልጡዎ እዩ።’’ኢሎም።

ካልኣይ ዕላማ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኹነት ብህፁፅ ንኽፈትሖም ፅዕንቶ ንምሕዳርን ንናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ብቐንድነት ዝሕግዝዎ ምዕራባዊያን ሓገዝቲ ፅዕንቶ ንምሕዳርን እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ምንቅስቓስ ዓለምለኸ ትካላት ተኻፈልቲ ኮይኖም ኣለው ብምሰረት መግለፂ ኣቶ ክሳሁን።
የኋላ ሸት ዝተብሃለት ኢትዮጵያዊት እውን ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽበትሉ ምኽንያት ንዝተኣሰሩ ወገናትናን ናይ ሕልና እሱራት መንግስቲ ንኽፈትሖምን ንምሕታት እዩ ኢላ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይ ዝተብሃለ ዓለምለኸ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ወኪል ዝኾኑ ጃዝሚን ሃይስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ደብዳቤታት ካብ ዘንበቡ ሓደ እዮም።

ብደረጃ ዓለም ንዝርከቡ ናይ ሕሊና እሱራት ናይ ዝጣበቕ Freedom Now ተወካሊ ብወገኖም ኢትዮጵያ ፀረ ሽብር ሕጋ ንህዝባ ንምዕፋን ንኸይትጥቀመሉ ንኽተትሓሳስባ ንዩናይትድ ስቴትስ ንሓትት ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ናይ እስክንድር ነጋ፣ርእዮት ኣለሙ፣ናይ በቀለ ገርባ፣ናይ ኣንዱኣለም ኣራጌን ውብሸት ታየን ደብዳቤታት ካብ ዘንበቡ ገሊኦም Split the Rock ናይ ዝተብሃለ ናይ ግጥሚ ትካል ዋና ኣካያዲት ስራሕ ሳራ ብራውን፣Free Africa Foundation ናይ ዝተብሃለ ትካል ፕሬዝዳንት ዝኾኑ ጋናዊ ናይ ቁጠባ ሊቅን ደራሲን ጆርጅ ኣይቱ ይርከብዎም።
XS
SM
MD
LG