ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካናዳ፡ ናይ መጀመርያ ሶማላዊ ኣባል ፓርላማ መሓላ ፈጺሙ


MP Ahmed Hussen
MP Ahmed Hussen

ሓድሽ ፓርላማ ካናዳ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ ሓደ ካብ ኣባላቱ ድማ ብትውልዲ ሱማሊያዊ ፖለቲከኛ'ዩ ።

ኣሕመድ ሑሴን ኣብ 17 ዓመቶም ናብ ካናዳ ዝተሰደዱ ሱማሊያዊ ኣባል ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ምርጫ ዝሰዓረ ሊበራል ፓርቲ እዮም። እዚ ምርጫ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓቃባዊ ቀዳማይ ሚንስትር ስተፈን ሃርፐት ከብቅዕ ዝገበረ ምርጫ እዩ።

ኣብቲ ምርጫ ምዕዋቶም ዝገለጹ 39 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሕመድ ሑሴን ናቶም አብቲ ፓርላማ ምእታው ካናዳ ባህላዊ ብዙሁነት ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ከም ስዓቢ እምነት ምስልምና ኾነ ብስደት ናብ ካናዳ ዝኣተውን ፈተናታት ከምዘየጋጠሞም ወሲኾም ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG