ዋሽንግቶን —
ሓድሽ ፓርላማ ካናዳ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ ሓደ ካብ ኣባላቱ ድማ ብትውልዲ ሱማሊያዊ ፖለቲከኛ'ዩ ።
ኣሕመድ ሑሴን ኣብ 17 ዓመቶም ናብ ካናዳ ዝተሰደዱ ሱማሊያዊ ኣባል ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ምርጫ ዝሰዓረ ሊበራል ፓርቲ እዮም። እዚ ምርጫ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓቃባዊ ቀዳማይ ሚንስትር ስተፈን ሃርፐት ከብቅዕ ዝገበረ ምርጫ እዩ።
ኣብቲ ምርጫ ምዕዋቶም ዝገለጹ 39 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሕመድ ሑሴን ናቶም አብቲ ፓርላማ ምእታው ካናዳ ባህላዊ ብዙሁነት ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።
ከም ስዓቢ እምነት ምስልምና ኾነ ብስደት ናብ ካናዳ ዝኣተውን ፈተናታት ከምዘየጋጠሞም ወሲኾም ሓቢሮም።