ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግዳዊ ኲናት ክልተ ሃገራት ኣብ ዝዓረገሉ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ካናዳን ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ካናዳ
ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ካናዳ

እተን ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ዝነበራ ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ከቢድ ንግዳዊ ኲናትን ወሰኽ ቀረጽን ኣብ ዘለዋሉ ሕጂ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ካናዳዊት መዛናኡ መላኒ ጆሊ ሎሚ ሓሙስ ተራኺቡ:ተዘራሪቡ። ክልተኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ንብቑጠባ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ኩቤክ ካናዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ’ዮም ተራኺቦም።

እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ርክቦም ዝበጽሑዎ ምርድዳእ እንተልዩ ግን ገና ኣይተነጸረን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ንዝኣቱ ስራሓት ኣቻዮን ኣለምኒዮምን ናይ 25% ቀረጽ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ካናዳ ብግደኣ ካብ ኣመሪካ ንዝኣቱ ስራሓት ናይ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ቀረጽ ኣዊጃ። ብካናዳ ዝተነበረ ቀረጽ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ’ዩ ተግባራዊ ክኸውን'ዩ።

ካናዳ ቀንዲ ኣቕራቢት ኣቻዮን ኣለሚንዮምን ኣመሪካ ምዃና ይፍለጥ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG