ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካናዳ ዝርግሓኡ ዝዓብይ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ንምክልኻል ሓገዝ ወጻኢ ሃገራት ትሓትት


ካናዳ ካብ ቁጽጽር ወፃኢ ዝኸውን ዘሎን ንዳርጋ ፍርቂ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝሸፈነ ባርዕ ሓዊ ንምምካት ንናይ ወጻኢ ሃገራት ሓገዝ ፀዊዓ።

ነታ ነዳዲ እተመንጩ ግዝኣት ኣልበርታ ዘዕነወ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ጎረባብቲ ግዝኣታት ብሪቲሽ ኮሎምቢያ፣ ሳስካችዋንን ግዝኣታት ሰሜናዊ ምዕራብ ይሰፍሕ ኣሎ።

ከባቢ 2,500 ዝኾኑ ካናዳውያን መጥፋእቲ ሓዊ ብ400 ኣባላት ምክልኻል ሃገር ተሓጊዞም ናብ ምሉእ ኣልበርታ ዝተዋፈሩ ኾይኖም ነቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር ዝስፍሓቱ ኣግራብን ሳዕርን ዝሓዘ ጫካን ብዙሓት ኣባይትን ትካላት ንግድን ዘዕነወ ባርዕ ንምግታእ ይፍትኑ ኣለዉ።

ሚንስተር ህዝባዊ ደሕንነት ካናዳ ቢል ብሌየር ማእከል መጥፋእቲ ሓዊ ኣመሪካ፣ ሜክሲኮ፣ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ክሕግዙ ምሕታቱ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG