ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካናዳን ህንዲን ዲፕሎማት ሓድሕድን የባርራ


መራሕቲ ሃገራትን ህንዲን ካናዳን - ፋይል
መራሕቲ ሃገራትን ህንዲን ካናዳን - ፋይል

መንግስቲ ካናዳ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ እታ ሃገር፡ መንግስቲ ህንዲ ኣብ ቅትለት መራሒ ካናዳዊ ሲኽ ኢድ ከም ዘለዎ ስለ ዝኣመነ ላዕለዋይ ዲፕሎማት እታ ሃገር ኣብ ካናዳ ሰጒጋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃሲትን ትሩዶ ነዚ ዘፍለጠ፡ ብ18 ሰነ ብተዅሲ ኣብ ቅድሚ ማእከል ባህሊ ሲኽ ዝተቐትለ ህንዳዊ ካናዳዊ ኣባል ብሄረ ሲኽ፡ “መንግስቲ ህንዲ ቀጥታዊ ተራ ከም ዘለዎ ኣብ መደምደምታ በጺሕና፡” ድሕሪ ምባሉ’ዩ።

ሃርዲን ኒጃር ዝተባህለ ኣባል ማሕበረሰብ ሲኽ ዝዀነ ካናዳዊ ዜጋ “ካሊስታን” እተሰምየት መሬት ዓደቦ ሲኽ ኣብ ህንዲ ንምምስራት ካብ ዝቃለሱ ዝነበሩ’ዩ። ኒጃር ብመንግስቲ ህንዲ ክህደን ጸኒሑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ነቲ ጉዳይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ኔራንድራ ሞዲ ኣብ ርክብ ጕጅለ 20 ከም ዘልዓሎ እውን ጠቒሱ።

ህንዲ ነቲ ብካናዳ ዝቐረበ ክሲ “መሰረት ኣልቦን መደንጸውን” ክትብል ምላሽ ሂባ'ላ።

ህንዲ ብወገና ሎሚ ሰሉስ ንላዕለዋይ ዲፕሎማት ካናዳ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ምትእትታው ገይሩ ብምባል ካብ ሃገራ ኣፋንያ ኣላ።

ህንዲ ካብ 1980ታት ኣትሒዛ ንምምስራት ናጻ ዓደቦ ሲኽ ክትቃወምን ክትቃለስን ጸኒሓ’ያ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ።

ኣብ ካናዳ 2% ናይታ ሃገር ዝሽፍኑ ተወላዶ ሲኽ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG