ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካናዳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዘስዓቦ ትኪ ስግኣት ጥዕና ኣሕዲሩ'ሎ


ኣብ ምብራቓዊ ካናዳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንሰማያት`ዚ ዞባ በኪሉ፡ ኣብ ጥዕና ስግኣት ኣሕዲሩ`ሎ። ሰበ-ስልጣን ኒውዮርክ፡ቶሮንቶን ኦታዋን ካብዚ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባርዕ ሓዊ ዝሰዓበ ትክን ብከላ ኣየርን ክከላኸሉ ንነበርቲ ናይ መጠንቀቕታ ስምዕታ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። እቲ ትኪ ብከላ ኣየር ክሳብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ`ውን በጺሑ`ሎ። እቲ ባርዕ ሓዊ ካናዳ ኣብ ኣስታት 10 ግዝኣታት ካናዳ ልሒሙ'ሎ።

ኣብ ኒውዮርክን ከባቢ ዋሽንግተን ነበርቲ ካብ ስግኣት ጥዕና ንምድሓን ኣብ ደገ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክድርቱ ሰበ-ስልጣን ጸዊዖም ኣለዉ።

ኣብ ካናዳ ኣብታ ምስ ኲቤክ ትዳወብ ኦታዋ፡ ብከላ ኣየር ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ይግለጽ ኣሎ። ሰማያት ቶሮንቶ`ውን ከምኡ ብትኪ ብምብካሉ ስበ-ስልጣን የጠንቅቑ`ለዉ።

ነቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ኣመሪካ፡ ሜክሲኮ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ`ውን ፈረንሳ ይተሓባበራ`ለዋ። ሰበ-ስልጣን ካናዳ ድማ ምስጋናኦም ገሊጾም ኣለዉ። ባርዕ መሮር ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ዝውቱር እኳ እንተኾነ እዚ ዓመት`ዚ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ምዃኑ ግን ፍሉይ ይገብሮ፡ ንብዙሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከፈናቕሎም ክኢሉ`ሎ።

እቲ ባርዕ ኣስታት 3.3 ሚልየን ሄክታር መሬት ከም ዘቃጸለ ይግለጽ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG