ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኩል ኣየር ባርዕ ጫካ ካናዳ ንሓያሎ ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ይዓምም


ካብ ባርዕ ጫካ ካናዳ ዝተበገሰ ትኪ ዝሓዘለ ኣየር ንሓያሎ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ጸልዩ፡ ንሓደጋታት ጥዕና ዘቃልዕ ተርእዮ ምግጣሙ ሰብ-መዚ ጥዕና ኣመሪካ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ከተማ ዲትሮይት ናይ ሚሺጋን በዚ ዝተበከለ ኣየር ቀንዲ ዝተጸልወት ከተማ ኰይና ኣላ። ጸሊም ደበና ዝመስል ዝተበከለ ኣየር ንዝበዝሓ ክፋል እታ ክፍለ-ሃገር ሸፊኑ ምህላዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ጠቒሶም።

እቲ ካብ ባርዕ ጫካ ዝነቐለ ብኩል ኣየር፡ ክሳብ ምዕራብ ቨርጂንያ በጺሑ ምህላዉ ናይ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ትካል ኣከባቢ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ከም ዝጠቐሶ በዚ ዝተበከለ ኣየር ብቐንዱ ተጸልየን ዘለዋ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ፡ ኢልኖይ፡ ፔንሲልቫንያ፡ ኢንዲያናን፡ ኬንታኪን ኦሃዮን’የን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG