ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካናዳ - ንኤርትራዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣባሪራ


ጆን በይርድ
ጆን በይርድ
ካናዳ፣ካብ ኤርትራውያን ነበርቲ ካናዳ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ይእክብ ነይሩ ንዝበለቶ ኤርትራዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ከምዘባረረት ተገሊፁ።

ምንስትር ወፃኢ ካናዳ ጆን በይርድ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለፂ፣ ኣብ ኦታዊ ዘሎ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ሰመረ ገብረማርያም ኦቅባሚካኤል፣ኣብ ውሽጢ ሰሙን ካብ ካናዳ ውፃእ ከምዝተባሃለ ጠቂሱ።

ኤርትራ ንዓለም-ለኸ ማዕቀብን ዓለም-ለኸ ሕጊን ክትምእዘዝ ተደጋጋሚ ለበዋታት ካብ ካናዳ ከምዝተዋሃባ እቲ መግለፂ ይሕብር።

እቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ዝተወስደ፣ንተግባር ቤት ፅሕፈት ኣቶ ሰመረ ዝሕብር ኣብ ሚድያ ካናዳ ድሕሪ ምፍናው‘ዩ።

CBC ዝተባሃለ ትካል ቴሌቭዥን ንኤርትራውያን ነበርቲ ካናዳውያን፣ቃለ መጠይቅ ከምዝገበረሎምን፣ኣቶ ሰመረን ካልኦትን ክልተ ካብ ሚእቲ እንተዘይከፊልኩም፣ኣብ ኤርትራ ዘለው ቤተ-ሰብኩም ናብ ፀገም ክኣትው‘ዮም ከምዝበልዎምን ገሊፆም።

ኣብ ካናዳ ኤምባሲ ኤርትራ ረኺብና ንምሕታት ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና።
XS
SM
MD
LG