ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ኤርትራ መጠንቀቂ ተዋሂብዎ


ቆንፅል ኤርትራ
ቆንፅል ኤርትራ

ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ኤርትራ ኣብ ካናዳ ካብ ዳያስፖራ ዝእክቦ ገንዘብ ግብሪ እንተዘይ ኣቋሪፁ፣ስጉምቲ ከምዝወሰዶ መንግስቲ ካናዳ ኣጠንቂቁ።

ምንስትር ወፃኢ ካናዳ ጆን ባይርድ፣ካናዳ-ኤርትራውያንን ካልኦትን ዝሓደሮም ሻቅሎት፣ንሕና‘ውን ይስማዓና‘ዩ፣ተግባር ምእካብ ግብሪ ብህፁፅ ክቋረፅ ኣለዎ፣ኣይፋልናን እንተይሎም ግና፣ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ኤርትራ ክንዓፅዎ ኢና ኢሎም።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ካናዳ ወኪል ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ኤርትራ ኣቶ ኣሕመድ ኣማን፣ስለ ሓባራዊ ረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ኢልና ምእካብ ግብሪ ካብ ዳያስፖራ ኤርትራውያን ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቋሪፅናዮ ኢና ኢሎም።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:21 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG