ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደራት ካናዳን እንግሊዝን ካብ ኣይቮሪኮስት ንክባረሩ መንግስቲ ባግቦ ንዘመሓላለፎ ውሳነ ኣይንቕበልን ኢሎም


ኣምባሳደራት ካናዳን እንግሊዝን፣ንመናሓንሕቶም ኣፍልጦ ብምሃቦም፣ ዝነበሮም ዲፕሎማስያዊ ተቀባልነት ስለዝሳኣኑ ካብ ኣይቮሪኮስት ንክባረሩ ንዝተሰምዐ ምዕባለ ክልቲኤን ሃገራት ነፂገነኦ።

ኣብ ስልጣን ዘለው ፕረዚደንት ሎረን ባግቦ፣ኣምባሳደር ካናዳ ሜርይ ኢዛቤሊ ማሲፕን ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኒኮለስ ጀምስ ዌስትካትን ኣብ ኣይቮሪኮስት ተቀባልነት የብሎምን ኢሎም። ኣፈኛ ባግቦ ሚስተር ኣሓው ዶን ሜሎ ኣብ‘ዚ ዝሃቦ ሪኢቶ “ካናዳን እንግሊዝን ንኣምባሳደራት ሎረን ባግቦ ደጊም ኣይንፈልጦምን ስለዝበላ፣ንሕና‘ውን ናይ ክልቲኤን ሃገራት ልኡኻት ንክንቅበል ዝነበረና ግዴታ ፈሪሱ‘ሎ” ይብል።

እንተኾነ ካናዳን እንግሊዝን ንስልጣን ሚስተር ባግቦ ኣፍልጦ ስለዘይሃባሉ፣ንስጉምቲ ሚስተር ባግቦ‘ውን ከምኡ ኣይቅበለኦን።

ምንስቴር ወፃኢ እንግሊዝ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ብዘይካ‘ቶም ብዓለም-ለኸ ማሕበረ-ሰብ ተቀባልነት ዝረኸቡ ኦላሳን ዋታራ ብካልእ ኣካል ዝዋሃብ ትእዛዝ ኣይንቅበልን ይብል።

ምንስቲር ወፃኢ ካናዳ ለውረንስ ካኖን ብወገኖም፣ሚስተር ባግቦ ዝዛረብሉ ዘለው ምምሕዳር ኣይርዳኣናን፣ስለዚ ኣምባሳደር ማሲፕ ይውፃእ ምባሉ ግልፂ ኣይኮነን ኢሎም።

ነዚ ምስሕሓብ‘ዚ ዝያዳ ዝሓላለኾ ድማ፣ኣሜሪካ ንሃብቲ ሚስተር ባግቦ ከይንቀሳቀስ ኣሜሪካውያን ምስ ባግቦ ንግዳዊ ስራሕቲ ከይገብሩ ምእጋዳ‘ዩ።

ቁጠባዊ ምትሕብባር ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስ፣ ባግቦ ንዋታራ ስልጣን ኣረክብ፣ተዘየለ ብሓይሊ ክነውግደካ ኢና ከምዝበልዎም ዝዝከር‘ዩ።

ፕረዚደንት ጋና ጆን ኣታ ሚለስ ሃገሮም ኣብ ቅልውላው ኣይቮሪኮስት ፀግዒ ኣይትሕዝን‘ያ፣ወትሃደራዊ ጣልቃ ምእታው ድማ ፍታሕ ኣየርክብን‘ዩ ድሕሪ ምባሎም ግና‘ቲ ምፍርራሕ ቅሂሙ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG