ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛታት ካሜሩን ሃለዋት መሳርሕቶም ንምሕታት ሰልፊ ወፂኦም


ጋዜጠኛታት ካሜሮን ጋዜጠኛ ሳሙኤል ዋዚዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ወታሃደራት እናሃለወ ተቀቲሉ ክብሉ ናይቲ ከባቢ መሓውራት ዜና ድሕሪ ምፅብፃበን ናብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብምምራሕ ሃለዋቱ ሓቲቶም።

ሓላፊ ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝዛረቡ ማሕበር ጋዜጠኛታት ካሜሮን ኢሲዶር ኣባህ ትማሊ ሓሙስ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ብምምራሕ ኣብ ደቡብ ምዕራብ እቲ ሃገር ትርከብ ከተማ ባኡ ናብ ዝርከባ ኣብያተፅሕፈት መንግስቲ ብምኻድ ሃለዋት መሳርሕቶም ሳሙኤል ዋዚዚ ንሰበስልጣን ምሕታቶም ገሊፁ።

‘’ጉሂና ኣለና።ምኽንያቱ መሳርሕትና ብህይወት ከምዘየለ ብዜና ስለ ዝሰማዕና። ናብዚ ዝመፃእናሉ ምኽንያት ሓዘና ንምግላፅ፣ ጋዜጠኛታት ብረት ዝተዓጠቑ ዘረፍቲ ዘይምዃኖምን ጋዜጠኛታትብከምዚ ዝበለ ንዕቐት ክዋረዱ ከምዘይብሎምን ነቲ ኣማሓዳሪ ክንዛረቦ ኢና መፂኢና ዘለና፤መሰል ኣለና’’ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ዋዚዚ እንታይ ከምዝተፈፀመ ክዛረብ ዝኽእል ኣብ ያውንደ ዝርከብ ማእኸላይ መንግስቲ ጥራሕ ምኳኑ ኣማሓዳሪ ናይቲ ከባቢ በርናንድ ኦካሊያ ቢላይ ከምዝገለፀሎም ኣብህ ወሲኹ ሓቢሩ።

ናይ ካሜሮን 'ቺሊን' ቴሌቪዥን ሙዚቃ ዝሰርሕ ዋዚዚ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ካሜሩን ካብታ ሃገር ንምንፃል ዝንቀሳቐሱ ዘለው ዓመፅቲ ኣብ ግራቱ ኣአንጊዱዎም ብዝብል ክሲ 2 ነሓሰ 2019 ምእሳሩ ይዝከር።

ሰራዊት እታ ሃገር ንዋዚዚ ካብ ቡኢ ናብ ያውንደ ካብ ዝወስዱዎ ጀሚሩ ጠበቓ ይኹን ስድርኡ ርእዮሞ ኣይፈልጡን።

ወታደራት ኣብ ያውንደ ከምዝቐተሉዎ መሓውራት ዜና ካሜሩን ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ጸብፂበን ኣለዋ።ናይ ካሜሩን ሰራዊት ይኹን መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ፀብፃብ ርእይትኦም ኣይሃቡን።

ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ዶዋላ እውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ትማሊ ሓሙስ ተኻይዱ ኣሎ።

መንግስቲ መግልፂ እንተድኣ ዘይህብሉ ኣብ መላእ ካሜሩን ተቓውሞ ከምዝፅውዕ ናይ ፕረስ ጉጅለታት ኣጠንቂቖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG