ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምህራን ካሜሮን ካብ መጥቓዕትታት ሓለዋ ክግበረሎም ፀዊዖም


Schoolchildren, their parents and teachers hold a protest after gunmen opened fire at a school, killing at least six children as authorities claim, in Kumba, Cameroon, Oct. 25, 2020.
Schoolchildren, their parents and teachers hold a protest after gunmen opened fire at a school, killing at least six children as authorities claim, in Kumba, Cameroon, Oct. 25, 2020.
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00



ኣብ ካሜሮን መምህራን ካብ መጥቓዕታት ተነፅልትን ኣሸበርትን ዝሓሸ ሓለዋ ክግብረሎም ይፅውዑ ኣለው።መሳርሕቶም ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ካብ ዝንቀሳቐሱ ኣባያንን (rebels) ምስ ናይጀሪያ ኣብ ዘዳቡ ካብ ዝንቀሳቐሱ ኣሸብርቲ ቦኮ ሓራምን ክሃድሙ ተገዲዶም ይብሉ መምህራን ካሜሮን።

ሎማዕንቲ ሰሉስ ንመምህራን ዝድግፍ ኣብ ያውንዴ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብስነ ጥበበኛ ኣንቲ ክሎ ዝተዜመ ‘’ኦ መምህራን’’ ዝብል ሙዚቃ ይስማዕ።ሕቡራት መንግስታት ዝኣወጆ ዓለምለኸ ማዕልቲ መምህራን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተሳተፉ መብዛሕቲኦም መምህራን ዝሃደምሉ ምኽንያት ብሰንኪ መጥቓዕትታት ቦኮ ሓራምን ኣብ መንጎ መንግስትን ካብ ካሜሮን ክንፀሉ ዝቃለሱ ዘለው ኢንግሊዝኛ ተዛርብትን እዩ ይብሉ።ወሃቢ ቃል እቶም መምህራን 52 ዓመት ዕድሚኡ ፒተር ታር መምህርን ብዙሕ ስቓይ የሕልፉ ኣለው ይብል።

‘’መምህራን በብማዕልቱ,በብስዓቱ ይጥቅዑ ኣለው።ገሊኦም ብዘስካሕክሕ ተቐቲሎም፣ገለ ኣካሎም ብዘስቅቕ ተቖሪፁ ካብ ከባቢኦም ክሃድሙ ተገዲዶም።ገሊኦም ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም።ብኩነታት ናይዞም መምህራን ውሽጠይ ይደሚ ኣሎ።ሰላም ክምለስ ይፅሊ ኣለኹ’’ይብል።

ታር ንምንፃል ይዋግኡ ዘለው ዕጡቓት ምስ ጨውዩዎ ሃዲሙ ከምዘምለጠ ይዛረብ።

እቲ ተቓውሞ ሰልፊ ብማሕበር መምህራን ካሜሮን እዩ ተወዲቡ።

ካብ 2017 ኣ/ፈ ጀሚሩ ልዕሊ 40 መምህራን ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 300 ድማ ተጨውዮም ስድኦም ገንዘብ ከፊሎም ኣውፂኦምዎም።

ፕሬዝዳንት ማሕበር መምህራን ካሜሮን ቫለንታይን ታመህ መምህራን ካብቲ ህውከት ካብ ምህዳም ካሊእ መማረፂ የብሎም ትብል።

ምንስቴር መሰረታኣዊ ትምህርቲ ካሜሮን ላውረንት ሰርጌ ኢታውንዲ ጎኣ ሰራዊት እታ ሃገር ንኣብያተ ትምህርቲ፣መምህራንን ተምሃሮን ይከላኸሎም ኣሎ ይብሉ።

መምህራን ብትምህርቲ ኣቢሎም ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለን ካልኦት ዘፈራን ዝፃወቱዎ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንምሃብሕቡራት መንግስታት 25 መስከረም ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ወይ 5 ጥቅምቲ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዓለምለኸ ማዕልቲ መምህራን ክኸውን ኣብ 1994 ኣ/ፈ ኣዊጁ።

XS
SM
MD
LG