ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክታበት ጸረ-ዓሶ ኣብ ካሜሮን ጽቡቕ ገስጋስ ይገብር ኣሎ


ኣብ ካሜርን ዝጀመረ ክታበት ጸረ ሕማም ዓሶ ንህጻናት፡ ፈለማ መጠናዊ ተቓውሞን ምዝሕታልን ኣጓኒፉዎ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ብጽቡቕ ገስጋስን ቀጻሊ ቀረባትን ይወሃብ ምህላዉ ንሰብ-መዚ ጥዕና ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ብእንግሊዛዊ ኩባንያ ዝፈረየ ክታበት ንምስራሑ ኣስታት 40 ዓመታት ዝወሰደ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ኣገባባት መከላኸሊ ከም ላሙስያ ብምውህሃድ ንሕማም ዓሶ ኣብ ምምካት ዓቢ ኣበርክቶ ክግበር ተስፋ ይንበሮ።

ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ ዓመታዊ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት ይቐትል።

ኣብ ጋና፡ ኬንያን ካሜሮን ንፈተነ ዝጀመረ ክታበት ጸረ-ዓሶ ህጻናት፡ ናብ 19 ሃገራት ክባጻሕ ነቲ ክታበት ዘመሓድር ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት ኣስታት 6.6 ሚልዮን ህጻናት ኣፍሪቃ ክታበት ጸረ-ዓሶ ክወስዱ ትጽቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG