ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ምምላእ ኣብ ዶብ ካሜሮንን ጫድን ዝርከብ ሩባ 100,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም


ፋይል
ፋይል

ሰበስልጣን ካሜሮንን ጫድን ኣብዚ ሰሙን ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ንኽልቲአን ሃገራት ዘዋስን ሩባ ሎጎን መሊኡ ልዕሊ 100,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም 70,000 ሰባት ድማ ኣባይቲ ኣልቦ ከምዝኾኑ ገሊፆም።ሰበስልጣን ካሜሮን ንግዳያት ውሑጅ ረድኤት ከምዝቕረቡ እውን ሓቢሮም።

በቲ ውሑጅ ካብ ዝተጠቕዑ ሓደ 33 ዓመት ዝዕድሚኡ ታንደምበ ኖዋ ዝተባህለ ሓረስታይ እቲ ውሑጅ ንሕርሽኡን 13 ኣጣልን ስለዝወሰደሉ ብዓልቲ ገዝኡን ሰለስተ ደቁን ጠምዮም ከምዝርከቡ ይገልፅ።

መንግስቲ ካሜሮን ኖዋ ሓደ በቲ ውሑጅ ካብ ዝተጠቕዑ 43,000 ሰባት ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ከቢድ ዝናብ ሩባ መሊኡ ኣባይቲ፣ዘራእትን እንስሳትን ክውሰዱ ገይሩ ኣሎ ይብሉ።

መንግስቲ ካሜሮን እንተወሓደ 12 ሰባት ብውሑጅ ከምዝተወሰዱን ጥምየት ኣንፀላሊዩ ከምዝርከብን ይገልፅ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሩባ ሎጎን መሊኡ ብምፍሳሱ ኣብ ዋና ከተማ ጫድ ኒንጃሚና ልዕሊ 60,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም መሓውራት ዜና ቻድ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ: ኣብ 30 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ገለ ክፋላት እታ ዋና ከተማ ብጀልባ ንምጉዓዝን ብሰንኪ ውሑጅ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ኣገዲዱዎም እዩ።

ካሜሮንን ቻድን ምኽኒያት ናይቲ ዘይልሙድ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ለውጢ ኩነታት ኣየር እዩ ይብላ።

XS
SM
MD
LG