ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን፤ ክልተ ላዕለዎት ኣዘዘቲ ተነጸልቲ ጕጅለ ምስ ሰራዊቶም ኢዶም ይህቡ


ፋይል
ፋይል

ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ምስ ተነጸልቲ ዕጡቓት ክቃለሱ ዝጸንሑ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ካሜሮን ምስ 18 ኣባላቶም ኢዶም ከም ዝሃቡ ኣፍሊጦም። እቶም ንምንጻል ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝቃለሱ ዝጸንሑ ላዕለዎት መራሕቲ ብጀነራል ባሮንን ጀነራል ጂቢን ብዝብል ዝፍለጡ ኰይኖም፡ ምስ ዕጥቆምን ኣባላቶም’ቶም ንመንግስቲ ትማሊ ሰሉስ ኢዶም ሂቦም።

እቲ ብጀነራል ባሮን ዝፍለጥ ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ፡ መንግስቲ ጸብለልታ ኣጽዋርን ካልእ መሳርሒን ስለ ዘለዎ፡ እቲ ውግእ ትርጕም ከም ዝሰኣነሉን ኣማኢት ክሞቱ ምርኣይ ድማ ከም ዘሕዘኖን ብምግላጽ፡ ንሰራዊቱ ኢዶም ንኽህቡ ከም ዘእመኖም ገሊጹ።

መንግስቲ ካሜሮን፡ እቲ ጻውዒት ነቶም ኩላቶም ዝዋጋኡ ዘለዉ’ውን ብምዃኑ እቶም ካልኦት’ውን ኣሰሮም ክስዕቡ ጸዊዑ።

ተነጸልቲ፡ ነቶም ኢዶም ዝሃቡ ኣርኪቦም ክቐትሉዎም ምዃኖም ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ማሕበራዊ ሜድያ ገሊጾም። መንግስቲ ካሜሮን ግን ምስ ዕጡቓት ጸኒሖም ኢዶም ንዝሃቡ ምሕረት ክገብር ምዃኑ’ዩ የመልክት። ቅድሚ ናብ ሲቪላዊ ናብራ ምምላሶም፡ ዳግም ናብ ሕብረተሰብ ዝኣትዉሉ ስልጠና ንምርካብ መሰልጠኒ ማእከላት ክኸፍት ምዃኑ ድማ መግለጺ መንግስቲ ካሜሮን ይሕብር።

ከም ሓበሬታ ትካል ክራይስስ ግሩፕ፡ እቲ ጎንጺ ኣብ 2017 ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።

XS
SM
MD
LG