ዋሽንግተን —
ተደራራቢ ብርቱዕ ዝናብ ንምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካ ብኸቢድ ሃሪሙ፡ ብሰንበት ኣብ ካሊፎርኒያ ንኣስታት 355-ሽሕ ሰባት ብዘይ መብራህቲ ኣትሪፉ።
ኣብቲ ኣብ ሰዓት 96 ኪሎሜተር ፍጥነት ዝነበሮ ህቦቡላዊ ዝናብ፡ ብቐንዱ “በይ ኤርያ” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ከባቢ ሳንፍራንሲስኮ’ዩ ጸልዩ። ብሰንኪ’ቲ ህቦቡላዊ ዝናብ ኣዕኑድ ኤለክትሪክን ኣግራብን ወዲቖም ንጽርግያታት ምዕጻዎም እቲ ዜና ይሕብር።
ኣገልግሎት ትንበያ ሜትሮሎጂ ከምኡ ዝመስል ህቦቡላዊ ዝናብ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሊፎርኒያን ካልኦት ቦታታትን ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብቲ ዝለዓለ ብራኸ ዘለዎ ከባቢ ካሊፎርኒያ፡ ብርቱዕ ዝናብ ድሕሪ ምህራሙ፡ ጸኒሑ ናብ በረድ ክቕየር ምዃኑ ትንበያ ኩነታት ኣየር ይሕብር።
ቅጥዒ