ዋሽንግተን —
ኣብ ምምሕዳር ፉለርቶን ናይ ደቡብ ካሊፎርኒያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ትካል ጽርበት ዕንጸይቲ ዝወደቐት ንእሽቶ ነፋሪት፡ ኣብኣ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ክትቀትል እንከላ፡ ኣብቲ ፋብሪካ ዝነበሩ 19 ድማ ኣቝሲላ። ካብ መንጎኦም እቶም 11 ድማ ንዝለዓለ ሕክምና ንሆስፒታል ምውሳዶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸyትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። እታ ነፋሪት ካብ ትነቅል ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ዘይመልእ እዋን’ያ ናብቲ ኣስታት 200 ሰራሕተኛታት ዝነበሩዎ ትካል ወዲቓ።
ኣብራሪ እታ ነፋሪት ድሕሪ ምንቃሉ፡ ብሃንደበት ክዓልብ ምዃኑ መልእኽቲ ሂቡ ነይሩ። እንተዀነ ኣብቲ ዝርዝር ናይቲ ሓደጋ ዘይጠቐሰ ኣብራሪ፡ ሃንደበት ኣብ ልዕሊ’ቲ ፋብሪካ ብምውዳቑ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓንቲ ናይ ኣርባዕተ ሰብ እትሕዝ ነፋሪት፡ ኣስታት ፍርቂ ማይል ምስ ተጓዕዘት ኣብ ልዕሊ ገረብ ምውዳቓ’ውን መዛግብቲ ኣቭየሽን ኣመሪካ ይሕብሩ።
ቅጥዒ