ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 17 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 17 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

ኣብ ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 17 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 17 ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 1,500 መንበሪ ኣባይቲን ህንጻታትን ምዕናዎም ተገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ህዱእ ንፋስን ትሑት ሙቐት ኣየርን መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ጻዕሪ ጽቡቕ ምዕባለ የርእዩ ምህላዎም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ሰበ ስልጣን እታ ክፍለ ግዝኣት ሃለዋቶም ንዘይተፈልጠ ኣስታት 200 ሰባት ንምርኻብ ይጽዕሩ ምህላዎምን ይፍለጥ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣብ ኣስታት 10 ግዝያዊ መዕቖቢ ከምዘለው ተገሊጹ’ሎ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ እዋን ሓደጋ ገንዘባዊ ሓገዝ ነታ ክፍለ ግዝኣት ምፍቓዶም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG