ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካይሮ — ኣብ ዝፈረሰ ህንጻ 10 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከተማ ካይሮ ዝፈረሰ ህንጻ ፋይል - 27 መጋቢት 2021
ኣብ ከተማ ካይሮ ዝፈረሰ ህንጻ ፋይል - 27 መጋቢት 2021

ኣብ ከተማ ካይሮ ግብጺ፡ ሓደ ህንጻ ድሕሪ ምፍራሱ ብውሑዱ 10 ሰባት ምማቶም መሓዉራት ዜና'ታ ሃገር ገሊጸን። ኣብቲ ፍርስራስ ህንጻ ደሃዮም ዘይተፈልጡ ሰባት ስለ ዘለዉ ቍጽሪ ምዉታት ናይ ምውሳኽ ተኽእሎ ከም ዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ። መሰኻኽር ዓይኒ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝገለጹዎ፡ ዕትሮ ጋዝ ድሕሪ ምፍንጃሩ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ኣብ ካይሮ ሓያሎ ህንጻታት ግቡእ ቅጥዕታት ድሕነት ከየማልኡ ዝስራሑ ህንጻታት ብዙሓት ብምዃኖም፡ ተደጋጋሚ ምፍራስ ኣባይቲን ከጋጥም ዝጸንሐ'ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG