ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ


መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ሎሚ 12 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይላይት ተኻይዱ።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሴ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢትዮጵያ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2029 ከተአንግድ ዘቕረበቶ ሕቶ ካፍ ክቕበሎ ፀዊዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2029 ከተአንግድ ሕቶ ከምዘቕረበትን ነዚ ዓወት ድማ ናይጀርያውያን ኮኾባት ነበር ንዋንኩ ካኑን ዳኒኤል ኣሞካቺን ኣምባሳደራት ገይሮም ምምዛዞም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሰፐ ድሕሪ’ቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ ብምቕራባ ንኢዶ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያን ብኩዕሶ እግሪ ኣቢሎም ናይ ምውሃድ ድሌት ከምዘለዎም’ውን ገሊፆም።

13 ሃገራት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2029 ንምእንጋድ ሕቶታት ከምዘቕረባ እቶም ፕረዚደንት ዝገለፁ ኮይኖም ኢትዮጵያ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከተአንግድ ዘቕረበቶ ሕቶ "ብመሰረት ኣሰራርሓ ካፍ" ምላሽ ከምዝወሃቦ ገሊፆም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስታድዩማት ንምህናጽ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብምድናቕ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ንመዐቀኒ ፊፋን ካፍን ዘማልእ ስታድዮም ስለዘይብለን ኣብ ናይ ደገ ሃገራት ውድድራት ከምዘካይዳ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG