ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካፍ: ንብዝሒ ተሳተፍቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ 24 ክብ ኣቢልዎ


ፕረዝደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ
ፕረዝደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ

ፈጻሚ ኮሚቴ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብዝሒ ተሳተፍቲ አባል ሃገራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ 16 ናብ 24 ክብ ንምባልን እቲ ግጥም ዝኻየደሉ ጊዜ ካብ ኣብ መጀመርያ ዓመት ናብ ኣዋርሕ ሰነን ሓምለን ክመሓላለፍ ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ነዚ ዘሕለፎ ሓድሽ ለውጥታት አብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ግጥም ተግባራዊ ከምዝኸውን’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እንተኾነ ካልእ ክተኣታተው ዝቐረበ ለውጥታት ከም ግጥማት ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ወጻኢ ክኻየድን ጋንታታት ወጻኢ ሃገር ኣብቲ ግጥም ክሳተፋ ዝብል ግን በቲ ኮሚቴ ኮንፈደረሽን ውዱቕ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG