ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብያተ ንግድን መጎዓዚያን ኣገልግሎት ምሃብ ደው ምባሎም ነበርቲ ገሊፆም


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብያተ ንግድን መጎዓዚያን ኣገልግሎት ምሃብ ደው ምባሎም ነበርቲ ገሊፆም።እዚ አገልግሎት ደው ምባል ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝሓለፈ ዓመት ኣብዝነበረ ተቓውሞ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተቐትሉ መንእሰያት ንምዝካርን ምኳኑን ኣብ ክልል ኣምሓራ ተግባራዊ ከኸውን ዝጀመረ ግምት መዓልታዊ እቶት ብምቅዋም ምዃኑ ነበርቲ ወሲኾም ይገልጹ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኸአ ዝተኣስሩ መራሕቲ ፖለቲካ ይፈትሑ ብዝብልን ግምት መዓልታዊ እቶት ብዝምልከት ዝቐረበ ሕቶና ፍታሕ ኣይረኸበን ብዝብል እዩ።

ብኻልእ ወገን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ባህርዳር መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ነተጉቲ ከምዝፈንጀሩ ይግለጽ ኣሎ።

ፖሊስ ኣስታት 9 ሰባት ከምዝኣሰረ ይገልጽ። “ንብረትኩም ዕጸዉ እናበሉ ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ “ ከምዝሓዘ ይገልጽ፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG