ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ፕሬዝዳንትታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ፕሬዝዳንታዊ ማእኸል ፕሬዝዳንት ቡሽ


Obama Bush Library
Obama Bush Library
ፕሬዝዳንት ኦባማን ካልኦት ኣርባዕተ ብህይወት ዝርከቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንትታትን ንዝኽሪ ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት George W. Bush ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቐፅሪ ዩኒቨርስቲ ደቡባዊ ሜተዲስት ዝተሃነፀ ፕሬዝዳንታዊ ማእኸል ዝሓለፈ ሓሙስ ብሓባር ተረኺቦም ነይሮም።እቲ ስነስርዓት ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ናብ ጎኒ ዝተወገደሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።

ኣብ ዓመታት ንመጀምሪያ ግዜ ኩሎም ብህይወት ዝርከቡ ፕሬዝዳንታት ዩናይትድ ስቴትስ ብምሕዝነታዊ መንፈስን ናይ ሓባር ምክብባርን ኣብ ሓደ መድረኽ ዝተረኸብሉ እዩ።
ፕሬዝዳንት ቡሽ ኣብ ስልጣን እናሃለው ንዝወሰድዎም ስጉምትታት ዋላ ክነቕፉ እንተፀንሑ’ውን ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብቲ ስነ ስርዓት ፕሬዝዳንት ቡሽ ንዝሃብዎ ኣገልግሎት ኣሞጊሶምዎም።

‘’ክቡር ፕሬዝዳንት ንዝሃብኩምዎ ኣገልግሎት፣ንትብዓትኩም፣ንናይ ፀዋታ ላዛኹም፣ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሃገርኩም ዘለኩም ፍቕሪ ከመስግነኩ እደሊ።’’

ፕሬዝዳንት ቡሽ ብወገኖም ንሶም ይኹኑ ካልኦት ፕሬዝዳንትታት ስልጣኖም ምስ ወድኡ ብዛዕባ ዝህቡዎ መንፈስ ቀፃሊ ኣገልግሎት ተዛሪቦም ነይሮም።’’ ካብ ፖለቲካ ጡረታ ወፂአ እየ።ጡረታ ምውፅአይ’ውን ሕጉስ እየ።ንህዝቢ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ግን ጡረታ ኣይወፃእኹን።’’

ብወላዲ ኣቡኦም ብናይ ቀደም ፕሬዝዳንት George Herbert Walker Bush ከምዝተለዓዐሉን መራሒ ንክኾኑ ወላዲ ኣቡኦም ከምዝምሃሩዎምን እውን ተዛሪቦም።

ወናኒ ነዚ ብስሞም ዝተሃነፀ ፕሬዝዳንታዊ ማእኸል ህዝቢ ኣሜሪካ ምዃኑን ኣብ ውሽጡ ዝሓዞም ሰነዳት እውን ኣብ ስልጣን እናሃለው ንከም ኣንፃር ሽበራ፣ንዅናት ዒራቕን ሄረከን ካትሪን ስዒቡ ንዝተኻየደ ስራሕቲ እግሪ ምትካልን ዝሓዝሉ ኣገባብ ዝምልከቱ ጉዳያት ንሶም ዝሃብዎም ውሳነታት ህዝቢ ንኽርዳእ ክሕግዝ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 25 ሚያዚያ 2013 ኣ/ፈ ተመሪቑ ዝተኸፈተ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መፃሕፍቲ ፕሬዝዳንት ቡሽ ኣብ ታሪኽ ብዛዕባ ዝህልዎም ታሪኽ ከም ብሓድሽ ሙግት ከለዓዕል እዩ።ጆርጅ ቡሽ ካብ ስልጣኖም ክወፁ ከለው ተቐባልነቶም ዝታሓተ ምንባሩ ኣሃዛዊ መዐቀኒታት ሪኢቶ ህዝቢ ይሕብሩ።33 ሚእታዊ ጥራሕ ነይሩ።ኣብ ቀረባ ብመሰረት ዝተኻየዱ መፅናዕትታት ግን ተቐባልነቶም ብዝተወሰነ ከምዝወሰኸ ይሕብሩ።

ፕሬዝዳንት ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ብዝውሃቡ ሪኢቶታት ህዝቢ ከምዘይግደሱ የግዳስ ንፕሬዝዳንታዊ ስልጣኖንም ታሪኽ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ከምዝህብ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ፀኒሖም እዮም።

ኣብቲ ንኽብሮም ዝተሃነፀ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምምሕዳሮም ነፃነት ንኽስፍሕፋሕ ብዝሰሖም ስራሕቲ ሓደ ማዕልቲ ከምዝዝከር ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።
‘’ናይ ፖለቲካ ንፋስ ካብ ፀጋም ናብ የማን ይነፍስ።ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶታት ህዝቢ ይድይቡ፣ይወርዱ።ደገፍቲ ይመፁ፣ይኸዱ።ኣብ መወዳእታ ግን መራሕቲ ብዘለዎም ፅኑዕ እምነት እዮም ዝግምገሙ።’’

ፕሬዝዳንትታት ካብ ስልጣኖም ምስ ወረዱ ካብ ናይ ታሪኽ ፍርዲ ከምልጡ ወይ ክልውጡ ኣፀጋሚ ይኾኖም ይብሉ ምሁራት ታሪኽ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ናይ ፖለቲካ ሊቅን ክኢላ ፕሬዝዳንታዊ ስልጣንን ብሩስ ቢዃናን ፕሬዝዳንት ነበር ቡሽ ምስሎም ንምልዋጥ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብፍላይ ድማ ንዅናት ዒራቕ ብዝምልከት ምስሊ ምምሕዳሮም ንምልዋጥ ንዝገብርዎ ፈተነ ገለ ብድሆታት ከጋጥሞም እዩ ይብሉ።

ዒራቕ ድሕሪ 20፣30፣40 ዓመታት ካብ ሎሚ ዴሞክራሲ ዝዕምብበላ ሃገር እንተኾይናን ኣብ ዝተረፉ ማእኸላይ ምብራቕ እንተተስፋሕፊሑን ብዘይዝኾነ ይኹን ምትንዃስ ወራር ንኽፍፀም ዝወሰንዎ ኣዝዩ ዘሰሓሕብ ውሳነ እቶም ፕሬዝዳንት ይቕሬታ ክግበረሎም ይኽእል ይኸውን ይብሉ።ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ግን ብትኽክል ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ንምትንባሩ ከቢድ እዩ ይብሉ ኣስዒቦም።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ቡሽን ኦባማን ብዓልቲ ስልጣን ምንስቴር ሕርሻ ዝነበራ ናንሲ ጆነር ጆርጅ ቡሽ ንኣገልግሎት ብዝነበሮም ውፉይነት ክዝከሩ እዮም ይብላ።

ናይ ቀደም ናይ ቴክሳስ ከንቲባን ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ሮናልድ ኪርክ ሓዊሱ ተኻፈልቲ እቲ ስነስርዓት ብዛዕባ እቲ ስነስርዓት ኣዝዮም ዕጉባት እዮም።

ኪርክ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።‘’ሻራዊ ኣፈላላያትና፣ኣብ ጉዳያት ቁጠባን ኵናትን ዘለውና ኣፈላላያት፣ትኽክለኛ ኣፈላላያት እዮም።ከም ኣሜሪካዊያን ምስ ዘለና ሓባራዊ እምነት ብምንፅፃር ግን ማዕረ ክንደይ ኣናእሽቱ ምዃኖም ሎሚ ዝተረዳእናሉ ዕለት እዩ።’’
ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡባዊ ሜተዲስት ዝምሃር ጃዊን ሲን ማልሂ ግን እቲ ስነስርዓት ካብ ትምህርቲ ንላዕሊ እዩ ይብል።ከም ሓደ ኣብ ፖለቲካ ዝዋሳእ ሰብ ንርእሰይ ክሪኢ ከለኹ ምስኦም ኣብ ሓደ ቦታ ምርካብ ዓብዪ ተመክሮ እዩ፤ዘለዓዕል እዩ ይብል።

ናይ George W Bush ቤተ መፃሕፍትን ሙዚየምን ልዕሊ 70 ሚሊዮን ገፅ ፅሑፋትን 80 ቴራባይትስ ዲጂታዊ ናውትን ዝሓዘ እዩ።
XS
SM
MD
LG