ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቡሩንዳዊያን ፅባሕ ረቡዕ ፕረዚደንቶም ክመርፁ እዮም


ስግኣት ቫይረስ ኮሮናኣብ ቦትኡ እንከሎ ብሩንዳዊያን ሓድሽ ፕረዚደንት ንምምራፅ ፅባሕ ረቡዕ ድምጾም ክህቡ'ዮም።

ብሩናዳዊያን ናይታ ሃገር ሓድሽ ፕረዚደንት፣ኣባላት ፓርላማን ከባቢያዊ ሰበስልጣን ንምምራፅ ፅባሕ ረቡዕ ድምፆም ክህቡ እዮም።ስግኣት ለበዳ ቫይረስኮሮናን ክስታት ዓፈናመረፅቲን እውን ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

እቲ ስኽፍታ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ብሩንዲ ነፃ፣ኣሳታፊ፣ሚዛናዊ፣ግሉጽን ተኣማንን ምርጫ ንምክያድ ሓይልታት ምክልኻልን ፀጥታን ከምኡ እውን ብመንግስቲ ዝውነና መራኸቢ ማዕኸናትን ዝተረጋግአን ሰላማውን ሃውህው ክፈጥሩ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ናይ ሓባር መግለፂ ከውፅኡ ገይሩዎም እዩ።

ናይ ብሩንዲ ምርጫ ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝኽሰሱን ቅድሚ ሓሙሽት ዓመት ነታ ሃገር ናብ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘእተዋን ሳልሳይ ዙር ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ኣሰሓሓቢ ስጉምቲ ካብ ዝወሰዱን ፕረዚደንት ፒየር ኩሩንዚዛ ናይ 15 ዓመታት መሪሕነት ነታ ሃገር ንምንጋፍ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ።

ንናይታ ሃገር ገዛኢ ፓርቲ ብምውካል ፕረዝዳንታዊ ሕፁይ ኮይኖም ዘለው ጀነራል ኢቫርስተደይሺምየ ካብቶም ካልኦት ሽዱሽተ ሕፁያት ቅድሚት ይመርሑ ከምዘለው ይግለፅ።

እቶም ጀነራል ኣምላኽ ንብሩንዲ ይፈትዋ እዩ፤ኮሮናቫይረስ ዝሓዞም ሰባት እንተሊዮም እውን ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብሩንዲ ዘለዎ ሓይሊ ንምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ኣድመፅቲ ንቫይረስኮሮና ክፈርሑ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም።

መራሕቲ ንስግኣት ቫይረስኮሮና ዕሽሽ ብምባል ክሳብ መወዳእታ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ናይ መለዓዐሊ ኣኼባታት ፈቒዶም እዮም፤ናይ ህዝቢ ምንቅስቓሳት እውን ኣይደረቱን።

መንግስቲ መብርሂ ከይሃበ ንኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ካብታ ሃገር ኣባሪሩ እዩ።

ብሩንዲ ዛጊድ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 42 ዝሞተ ድማ ሓደ ሰብ ኣረጋጊፃ ኣላ።ገለ ዶክተራት ግን መንግስቲ እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይፈጥሮ ዘሎ ምሉእ ፅልዋ ኣይዛረብን ዘሎ ክብሉ ስኽፍትኦም ይገልፁ ኣለው።

XS
SM
MD
LG