ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ወለዲ ካብ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ዝተሰወሩ ብሩንዳዊያን ተማሃሮ ኣይተሻቀሉን” መምሃራን


 ጉጅለ ተማሃሮ ብሩንዲ
ጉጅለ ተማሃሮ ብሩንዲ

ወለዲ ካብ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ዝተሰወሩ ብሩንዳዊያን ተማሃሮ ኣይተሻቐሉን፡እዚ ማለት ድማ ብዛዕባ ሓለዋት እቶም ተማሃሮ ይፈልጡ’ዮም ክብሉ መማህራን ይኸሱ።

ወለዲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ዝተሰወሩ ጉጅለ ተማሃሮ ብሩንዳዊያን ብወግዒ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘየለ እንተኾነ ክልተ ካብቶም ተማሃሮ ግን ኣብ ካናዳ ምርኣዮም ምግላጹ ይዝከር። እቶም ኣርባዕተ ግን ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘለው ኣይተፈልጠን።

ዳይሬክተር እቲ ክልተ ካብቶም ዝተሰወሩ ተማሃሮ ዝመሃረሉ ዝነበሩ ቤት ትምህሪ ኢተለቲክ ካል ኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ “ ወለዲ እቶም ተማሃሮ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ አተው ከምዘይምለሱ ንወለዶም ምሕባሮም ገለ ካብ ወለዲ ገሊጾምል ኣዮም” ይብሉ።

መራሒ እታ ናብቲ ውድድር ዝኸደት ጉጅለ ዓርቢ ናብ ብሩንዲ ምምላሱን ብዛዕባ ምስዋር እቶም ተማሃሮ ዝፈልጦ ከምዘየለ እንተኮነ ወለዲ እቶም ተማሃሮ ግን ብዛዕባ ሓለዋቶም ንምፍላጥ ምስ ኡ ከምዘይተዘራረቡ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG