ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበልጣን ብሩንዲ ኣብ ቀይዲ ንዝጸንሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ፈቲሖም


ፊሊፔ ረሚን(2ይ የማን) ን ፊል ሙሬን (የመን)
ፊሊፔ ረሚን(2ይ የማን) ን ፊል ሙሬን (የመን)

ሰበ-ስልጣን ብሩንዲ ንብሪጣኒያዊ ሰኣላይ ጋዜጣ ላ ሞንዴ (‘Le Monde’) ፊል ሙሬንን ናይታ ጋዜጣ ክፍሊ ኣፍሪካ ሓላፊ ዢን ፊሊፔ ረሚን ሎሚ ዓርቢ ፈቲሖሞም ኣለው።

ክልቲኦም ናይ ኢድ ስልኮም መፍትሒ ቁጽሪ/Password/ ኣይንህብን ብምባሎም ዝተወስደ ናይ መስርሒ ናውቶም ኣይተመለሰሎምን።ናይ ስራሕ ፍቓዶም እውን ተመንጢሎም ኣለው።

ፕሬዝዳንታዊ ወሃቢ ቃል ብሩንዲ ዊሊ ኒያሚትዌ እቶም ጋዜጠኛታት ፖሊስ ካብ መንጎ ዝኣሰሮም 17 ሰባት ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

ጋዜጣ ‘ሌ ሞንዴ’ ሙሬንን ረሚን ምስተቓወምቲ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ከምዝተኣሰሩን ኣብ ናይ ብሩንዲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምስ ዝዋስኡ ዘለው እናተራኸቡ ስርሖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት እዮም ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG