ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ብሩንዲ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ነጺጉ


ሕብረት ኣፍሪቃ፡ 5000 ሰራዊት ናብ ብሩንዲ ከዋፍር እንተኣመመ`ኳ፡ መንግስቲ ብሩንዲ ግን ኣብ`ቲ ውሳነ ቃለይ ኣይተሓተትኩን ብምባል፡ ኣይቅበልን ኢሉ`ሎ።

ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ናይ ብሩንዲ ቃል ሰሚዕና ኢና ናብ ውሳነ ኣቲና ይብል። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብሩንዲ ናብ ኩናት ሕድሕድ ከይትምለስ ስግኣት ኣለኒ ኢሉ`ሎ፡ ብሩንዲ ኸኣ፡ ንዓቃቢ-ሰላም ከም ወራሪ እየ ክርእዮ ትብል ኣላ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG