ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በርማ ንፖለቲካ እሱራት ምሕረት ሂባ


ዝተፈትሑ እሱራት
ዝተፈትሑ እሱራት

ዝተረፉ እሱራት'ውን ይፈትሑ ይብሉ ተሓለቅቲ መሰላት

በርማ፣ንዝተወሰኑ ተቃወምቲ ሓዊስካ ሓደ ሚእቲ ፖለቲካዊያን እሱራት ብምሕረት ፈቲሓ።ተሓለቅቲ መሰላት ግና፣ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት በርማ ንክፍትሑ ይፅውዑ።

በርማ ንልዕሊ 6 ሽሕ እሱራት ብምሕረት ምፍታሕ ዝጀመረት ሎሚ ረቡዕ‘ዩ።ካብ‘ሞንጎ‘ቶም ዝተፈትሑ ሓደ፣ቱራሕ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣብ መድረኽ መስሓቃይ‘ዩ።ድሕሪ ምፍትሑ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፣ሰበ-ስልጣን በርማ ምስ ከተርቲ ባሕሪ ሶማልያ ኣመሳሲሉ ይገልፆም።


"ብሶማልያውያን ከተርቲ ባሕሪ ዝተጨወኹ ኮይነ‘የ ተሰሚዑኒ።ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝተረፉ ብዙሓት ናይ ሕልና እሱራት ስለዝገደፍኩ፣ኣነ ሎሚ ብምፍተሐይ ሕጉስ ኣይኮንኩን" ኢሉ።


እዚ ውልቀ-ሰብ‘ዚ ቅድሚ 3 ዓመት ዝተኣሰረ፣”ናርጊስ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ህቦብላዊ ዝናብ ንዘስዕቦ ጥፍኣት መንግስቲ ዝደንጎየ መልሰ-ግብሪ‘ዩ ሂቡ ዝብል ነቀፌታ ኣቃሊሕካ ተባሂሉ ፶፱ ዓመት ንክእሰር ተበይንዎ ነይሩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣እቶም እሱራት ስለዝተፈትሑ ታሕጓሶም ዝገለፁ ተሓለቅቲ መሰላት፣ቀደሙ‘ውን ምእሳሮም ጌጋ‘ዩ ይብሉ።

ምስ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝሰርሕ ቤንጀሚን ዛዋኪ፣ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ተቃወምቲ፣ፖለቲካዊ ምንስቃስ ይፍቀደሎም እንተኾይኑ ገና ኣይተነፀረን ዘሎ ይብል።

ናይ‘ታ ሃገር ፕረዚደንት ትየን ሴይን፣እሱራት ዝተፈትሑ ብምኽንያት ዘርአይዎ ፅቡቅ ባህሪ‘ዩ ኢሎም።ሰበ-ስልጣን በርማ ኣብ ልዕሊ ሚድያ ይትግብርዎ ንዝፀንሑ ሕጊ ኣፍኲሶም፣ማሕበር ሰራሕተኛታት ንክቆም ፈቂዶም።ፕረዚደንት ትየን ሴን ድማ ምስ ተሓላቂት ዴሞክራሲ ኣን ሳን ሱ ቺ ቀጥታዊ ልዝብ ገይሮም።

ተሓለቅቲ መሰላት ግና፣መንግስቲ በርማ ነዚ ናይ ኣምስሉ ግብሪታት ይፍፅም ዘሎ፣ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፃዕነ ቁጠባዊ ማዕቀብ ክሳብ ዝላዓለሉ ደኾን ይኸውን? ኢሎም ይሓቱ።

XS
SM
MD
LG