ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጊዚያዊ ፕሬዝዳንት ቡርኪና ፋሶ ናብ ስልጣኖም ተመሊሶም


ናይ ቡርኪና ፋሶ ግዚያዊ ፕሬዝዳንት ሚሸል ካፋንዶ ናብ ስልጣኖም ተመሊሶም።መፈንቅለ መንግስቲ ብዝካየዱ ኣባላት ሓለውቲ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መንግስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ልክዕ ከምዛ ሎማዕንቲ ረቡዕ እዮም ተኣሲሮም ነይሮም።

ግዚያዊ ፕሬዝዳንት ካፋንዶን ቀዳማይ ምንስቴር ያኮውባ ኢሳቅ ዚዳን ኣብ ዋና ከተማ ኦጋዱጉ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ብወግዒ ናብ ስልጣኖም ተመሊሶም ኣለው።

መራሒ እቲ መፈንቅለ መንግስቲ ጀነራል ጊልበርት ዲየንደር ኣብቲ ስነስርዓት ኣይተረኽቡን።

ክልቲኦም መራሕቲ ብኣባላት ሓለውቲ ፕሬዝዳንት እዮም ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮም።ኣብ ቀረባ ማዕልታት ሰራዊት ቡርኪና ፋሶ መራሒ እቲ ዕልዋን ወታደሩን ስልጣኖም ንኸረክቡ ንምግዳድ ናብ ዋና ከተማ ኡጋዱጉ ተላኢኾም ነይሮም።ሰራዊት እታ ሃገር ዕጥቖም ብሓይሊ ንምፍታሕ እውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

‘’ኣብዚ ሓደገኛ እዋን እዚ ብሓባር ተዋጊእና ብሓባር ነፃ ኮይንና ኢሎም ካንዳፎ ነታ ሃገር ኣብዘስምዕዎ መደረ።ብምስዓብ ‘’ብህዝቢ ብርኩና ፋሶ ብፍላይ ድማ ብመናእሰይ ኪሪዕና’’ኢሎም ኣለው።ናይ ሎሚ ቀንዲ ስርሐይ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካይድ ምዕያይ እዩ ኢሎም።

ፕሬዝዳንትታት ሰኔጋል፣ቶጎ፣ቤኒን ናይጀሪያን ከላዝቡ ናብ ዋና ከተማ ኦጋድጉ ድሕሪ ምጉዓዞም ብዝተበፅሐ ስምምዕ እቶም ዓለውቲ ናብ ወታደራዊ ኖቕጡኦም ንምምላስ ተሰማሚዖም።

ነቲ መፈንቅለ መንግስቲ ብምቅዋም ናብ ዋና ከተማ ዝተመሙ ወታደራት መንግስቲ ካብ ዋና ከተማ 50 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ናብ ዝርከብ ከባቢ ክስሕቡ ተሰማሚዖም ኣለው።

ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ መራሒ ጀነራል ጊልበርት ዲየንደር ትማሊ ሰሉስ ነታ ሃገር ይቕሬታ ብምሕታት ስልጣኖም ንምርካብቡ ቃል ኣትዮም ነይሮም።ምፍሳስ ደም ክውገድ እዩ ድልየተይ ኢሎም ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ብሰንኪ ኩነታት ፀጥታ ዜጋታት ዩናይትድ ስቴትስ ካብታ ምዕራባዊት ኣፍሪካ ክወፁ ምዒዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG