ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ግብጺ ንኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካይሮ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ


ፕረዚደንት ግብፂ ዓብዱልፈታሕ ኣል-ሲሲ ትማሊ ሓሙስ 29 ለካቲት 2023 ኣብ ካይሮ ዑደት ምስ ዘካየዱ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቦም ዘትዮም ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብፂ ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ገምጊሞም ከምኡ'ውን ነቲ ዝቅፅል ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝዓለመ ፃዕርታት ዝጠቃለለ ምንባሩ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፅኑዕ ምትእስሳር ሃገራዊ ደሕንነትን ከምኡእውን ኣብ ሱዳን ርግኣትን ሓድነትን ንክህሉ “ሙሉእ ደገፍ” ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝቀፀለ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይሊታት ህፁፅ ውሃቢ ድጋፍ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንመሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ኣዕኒይዎ ፣ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል ቅድመ መጠንቀቅታን ብሚልዮናት ዝቁፀሩ ሰባት ኣብ ውሽጥን ናብ ደገን ኣመዛቢሉ ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG