ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደሃዮም ተሳኢኑ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ናብ መደበር ፖሊስ ቡራዮ ምምላሶም ጠበቓኦም ገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ መደበር ፖሊስ ቡራዩ ዝተኣሰሩ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ደሃዮም ከይተፈልጠ ድሕሪ ምጽንሖም ትማሊ ምሸት ናብቲ መደበር ፖሊስ ከምዝተመለሱ ጠበቐኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ
ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት'ቲ ፓርቲ ኣቶ ሎሚ ገመቹ እቲ ፓርቲ ኩነታት እቶም ኣባላት መሪሕነት ከምዘሻቐሎ ገሊጾም ኣለው።

ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሎም ተኣሲሮም ዘለዉ እዞም ኣባላት መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብህጹጽ ክፍትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ'ቲ ፓርቲ ጸዊዑ'ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተኣሰሩ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ክፍትሑ ምጽውዑ ይዝከር።

ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣቐዲሞም ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዝተኣስረ ኣባል መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ የለን ኢሎም ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG