ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባል መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኣበይ ከምዘለዉ ጠበቓታቶም ከም ዘይፈልጡ ሓቢሮም


ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ፖሊስ ከተማ ቡራዩ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ኣበይ ምህላዎም ከምዘይፈልጡ ጠበቓታቶም ሓቢሮም። እቶም እሱራት ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ብፖሊስ ኮምሽን ኦሮምያ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምውሳዶም ጠበቓታቶም ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው እቶም እሱራት ዝርከብሉ ቦታን ኩነታትን ኣመልኪቱ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ቡራዩ፣ ኮምሽን ፖሊስ ኦሮምያ፣ ጠቕላሊ ዓቓቢ ሕጊ ፌደራልን ክልል ኦሮምያን ድምፂ ኣመሪካ ዘካየዶ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣባላቱ ካብ ሕጋዊ ኣገባብ ወፃኢ ምእሳሮም ክገልፅ ዝፀንሐ ኾይኑ ኣብዚ እዋን እቲ ጉዳይ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

ኮምሽን ፖሊስ ኦሮምያ ኣራርሳ መርዳሳ ግን “ዝተኣሰረ ኣባል ኣመራርሓ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ የለን” ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ርእይቶ ምሃቦም ይዝከር።

ከምኡ’ውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ‘ውን ቅድም ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ “ካብ ሕጋዊ ኣገባብ ወፃኢ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ ብቕልጡፍ ንኽፍትሑ ወይ’ውን ዝኣሰሮም ኣካል ከይዲ ሕጊ ተኸቲሉ መዝገብ ከፊቱ ክሓቶም” ከምዝግባእ ምትሕስሳቡ ዝዝከር’ዩ።

ይብል ናይ ኣዲስ ኣበባ ወኪልና ፀሃይ ዳምጠው ዝለኣኸቶ ፀፃብ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG