ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕጻው ስርሓት መንግስቲ ከንጸላሉዎ ዝጸንሐ ባይቶ ኣመሪካ 1.2 ትሪልዮን ዶላር ባጀቱ ኣጽዲቑ


ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ምዕጻው ስርሓት መንግስቲ ከንጸላሉዎ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ 1.2 ትሪልዮን ዶላር ባጀት ብምሕላፍ ነቲ ተኽእሎ ኣወጊዱ ኣሎ። እዚ ኣብ ቤት ምኽሪ ከይዕንቀፍ ተፈሪሑ ዝጸንሐ ናብ ሰነት ሰጊሩን ድሕሪኡ ብፕረዚደንት ባይደን ክፍረምን ጸገም ዘለዎ ኣይመስልን።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ማይክ ጆንሶን ካብ ምዕጻው ስለ ዝደሓነ ስክፍታኡ ቀንጢጡ ኣሎ። ዓቃባውያን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ግን ንምውራዱ ክሰርሑ ምዃኖም ይፍክሩ ኣለዉ።

ማርጆሪ ተይለር ግሪን ከምቲ ዝቐደመ ንኬቨን ማካርቲ ዝኣለየ ተበግሶ ኣንቂላ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG