ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ብራስለስ አብ ብርቱዕ ሓለዋን ተፍትሽን ትርከብ


ከም መቀጸልታ’ቲ አብ መጥቃዕቲ ፓሪስ ቀንዲ ተጠርጣሪ ሳልሕ ዓብድሰላም ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ ሃድን ካብ ቀዳም ጀሚሩ አብ ከተማ ብራስለስን ከባቢአን ተስፋሓፊሑ ቀንዩ።ንዝሓለፉ ሰለሰተ መዓልታት መጓዓዝያ መሬት ተዓጽዩ ከምዝቀነየ ተገሊጹ። ናይ’ታ ከተማ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ገለ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ስፍራ ዕዳጋታት፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን መዘናግዒታትን’ውን ተዓጽዮም ኣለው።

ስበ-ስልጣን እታ ሃገር ግን ነቲ ድሕሪ ካልአይ ኩናት ዓለም ዝዓበየ ዝተባህለ ስርሒት ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም አለዉ።

ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ቤልጅየም ኩነታት ጸጥታ ገምጊሙ እቶም ተዓጽዮም ዘለው ትካልትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ማእከላት ትምህርቲን ንክኽፈቱ ክፈቅድ እንተኾይኑ ክዘራረበሉ መደብ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ከተማ ብራስለስ አብ ብርቱዕ ሓለዋን ተፍትሽን ትርከብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00

XS
SM
MD
LG