ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዲ ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ወጺኣ


ብሩንዲ ካብቲ ንዝኸፍአ ግፍዒታት ዓለም ክርእይ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተመስረት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ምውጽኣ ሎሚ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ ኣፍሊጣ።

ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቡሩንዲ ኣባልነታ ካብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከምዝሰሓበት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ዝሓበረ ክኸውን እንከሎ፤ በዚ ድማ ቡሩንዲ ካብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣባልነታ ትስሕብ ዘላ ናይ ፈለማ ሃገር ክትኸውን ክኢላ ኣላ።

ኣፈኛ ናይ ኣብ ሄግ ነዘርላንድ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ቡሩንዲ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ ኣትሒዛ ካብቲ "ስርዓት ሮም" ዝፍለጥ ኣባልነት ናይቲ ካብ ዝምስረት ኣስታት 15 ዓመታት ዝገበረ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዝወጸት ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ቡሩንዲ ነዚ ውሳነ "ታሪኻዊ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ብሩንዳውያን ጽባሕ ቀዳም ኣብ ልዕሊቲ ውሳነ ዘለዎም ድጋፍ ክገልጹ ምዃኖም'ዩ ተሓቢሩ።

ዊሊ ንያሚትወ ዝተባህለ ላዕለዋይ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ቡሩንዲ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፖለቲካዊ መጋበርያ ምዕራባውያን ኮይኑ ንኻልኦት ኣብ ባርነት ዝሸምም መሳርሒ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ብተወሳኺ እዚ ውሳነ'ዚ ንቡሩንዳውያን ሃገራዊ ልኡላውነትን ክብርን ዝመልስ ዓቢ ዓወት'ዩ ክብል ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ላምበርት ኒጋሩራ ዝተባህለ ፕረዚደንት ሕብረት ቡሩንዲ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብወገኑ: ውሳነ ምንስሓብ ቡሩንዲ ካብ ኣባልነት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝቐርብ ዘሎ ኣፈላላይ ብዝመልኦ ቅትለት ኣብ ቡሩንዲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ግዜዩ ክብል ወቐሳ ኣቕሪቡ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብወገኑ: እዚ ውሳነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ዝተጀመረ መስርሕ ፍርዲ ከምዘይጸልዎ ይገልጹ ኣለው።

ደቡብ ኣፍሪቃን ጋምብያን ንውሳነ ብሩንዲ ከምዝኽተሉ ክገልጹ እንተጸንሑ ውሳኔኦም ቀይሮም ኣለው። ኬንያን ኡጋንዳን እውን ካብ አባልነት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ክወጹ ምኳኖም ክገልጹ እንተጸንሑ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰዱን።

ዛምብያ ብወገና ኣብዚ ጉዳይ ዘተ ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG