ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደሃይ ኦሎምፒክስ -- ምስ ተዓዋቲ ነሓሰ መዳልያ ያሬድ ንጉሰን ወላዲኡን


ያሬድ ንጉሰን
ያሬድ ንጉሰን

ኣብ ናይ 1,500ሜ ውድድር ጉያ ኦሎምፒክ ፓሪስ፣ ንኣመሪካ ወኪሉ ዝተወዳደረ ያሬድ ኣለም ንጉሰ፣ ብዝረኸቦ ውጽኢት ዕጉብ ከምዝኾነ ይዛረብ። ንሱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝነበሮ ቃለ ምልልስ ‘በቲ ኣብ ስታድየም ፈረንሳ ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ ኣዝዩ ከምዝተገረመ’ዩ ዝጠቅስ።

ወዲ ኣይተ ኣለም ንጉሰ፣ ያሬድ፣ ኣብ ጥቃ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ትርከብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ ኣብ 1999 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዩ ተወሊዱ።

ትግራዋይ ወላዲኡ ኣቶ ኣለም ንጉሰ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን (ኣብ ሰማንያታት ማለት እዩ) ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ከምዝመጸ ዝረኸብናዮ ድሕረ ባይታኦም ይሕብር።

ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ’ውን ዝኾነ ኣቶ ኣለም፣ ደቁ ኣብ ስፖርት ዘይኮነስ ኣብ ትምህርቲ ንክነፍዑ ድልየቱ ከምዝነበረ፣ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ዝተዓወተ ወዱ ያሬድ ከይተረፈ ንስፖርታዊ ንጥፈታቱ ኣቋሪጹ ኣብ ትምህርቲ ንኸተኩር ይደፍኦ ከምዝነበረ ባዕሉ ኣቶ ኣለም ይዛረብ።

ወላዲቱ ወ/ሮ ማና ንጉሰ ብወገና፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ትግራይ ናብ ኣመሪካ ዝተሰደደት ከምዝኾነት ድሕረ ባይታኣ ይሕብር። ክልቲኦም ወለዲን ደቆምን ኣብ ፓሪስ እዮም ቀንዮም። ዓወት ወዶም’ውን ኣብ ስታድየም ፈረንሳ ኣትዮም ናይ ምርኣይ ዕድል ረኺቦም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG