ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታቱ ኣብ ምፅዋዕ ዝተታሕዝዎ እንግሊዛዊ ትካል ንመንግስት ኤርትራ "ሙሉእ" ይቅሬታ ሓቲቱ


Footage of the four men held captive
Footage of the four men held captive

ኣርባዕተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዝዎ ኩባንያ ሓለዋ ፀጥታ ብሪጣንያ ንመግስቲ ኤርትራ ብቅሉዕ ይቅሬታ ሓቲቱ።

ወሃቢ ቃል እቲ PVI ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኩባንያ ከምዝበልዎ እቲ ኩባንያ በቲ ኩነታት "ኣዝዩ ይሓዝን ንዝኾነ ጌጋ ሙሉእ ይቅሬታ ንሓትት" ኢሉ'ሎ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ሎንደን ዘ ኢንድፐንደንስ ን'ዝተባህለ ጋዜጣ ከምዝበሎ ንርእስናን ንዓማዊልናን ንምክልኻል ኣፅዋር ንሕዝ ዕጡቅ ትካል ሓለዋ ፀጥታ ባሕሪ ኢና ኢሉ።

ምስ ኤርትራ ኣብ ተፃብኦ ንምእታው አይሓለንናን ግን ብኸምኡ ዝተራእየ እንተኾይኑ ሙሉእ ይቅሬታ ንሓትት ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ኤርትራ ብዛዕባቶም ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2010 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተወቶም ኣርባዕተ እንግሊዛውያን፣ምስ ካልኦት ልዕሊ ዕስራ ዝኾኑ እንግሊዛውያን ብምዃን ኣብ ማያዊን ደሴታውን ግዝኣት ኤርትራ፣ናይ ወረራ፣ስለያን ግብረ ሸበራን ስራሕ የካይዱ ኔሮም ክትብል ብሰሉስ ገሊፃ'ያ።

ምንስትሪ ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብዕለት 23/12/2010 እቶም ንባጽዕ ብጉልባብ መግብን ነዳዲን ዝኣተው 6 እንግሊዛውያንን እቲ ብጉልባብ ቱሪስት ካብ ጅቡቲ ቪዛ ረኺቡ ዝኣተወን ብዘይሕጋዊ መውጽኢ ፍቓድን ቪዛን ጸልማት ተጎልቢቦም መብራህቲ ኣጥፊኦም ብመርከብ SEA SCORPIONን ፈጣን ጃልባ RED RIBን ካብ ወደብ ባጽዕ ሃዲሞም፣ ድሕሪ ናይ 3 ኖቲካል ማይልስ ጉዕዞ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዝተኰስዎ ናይ መጠንቀቕታ ተዂሲ SEA SCORPION ምስዞም ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 4 እንግሊዛውያን ባሕረኛታት ኪትተሓዝ እንከላ እታ RED RIB ዝተባህለት ፈጣን ጃላባ ምስ 3 ባሕረኛታት ሃዲማ ናብ ደሴት ሮምያ ብምእታው ነቶም ኣብ ሮምያ ዝነበሩ 8 እንግሊዛውያንን 3 ግብጻውያንን ሒዛ ክትሰከሞ ትኽእል ሳናዱቕ ኣጽዋርን መሳርሒታትን ጽዒና ተሰዊራ” ይብል።

ብዘይካ‘ዚ፣መንግስቲ እንግሊዝ ነዞም ገበን ወራር፣ስለያ፣ሸርሒን ሸበራን ክፍፅሙ ከለው ተታሒዞም ዝተባሃሉ እንግሊዛውያን ጉልባብ ዝኾኖም ፈቃድ ንግዲ ምሃቡ ተሓታቲ’ዩ ይብል መንግስቲ ኤርትራ ዘውፀኦ መግለፂ።

መንግስቲ ኢንግሊዝ ብ'ረቡዕ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜርካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብመሰረት ውዕል ቬየና ቆንስላዊ ምብጻሕ ንክፍቀደሎም ምድፋእና ክንቅጽል ኢና ኢሉ`ሎ። ግብረ መልሲ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ፡ ከከም ኣድላይነቱ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክንወስድ ኢና ዝበለ ምንስትሪ ወጻኢ እንግሊዝ፡ እቶም 4ተ እንግሊዛውያን ንዝፈጸምዎ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ምትእስሳርን ንመንግስቲ እንግሊዝ ተሓታቲ ምግባርን ብጽኑዕ ንነጽጎ ክብል`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG